Home ዜና ሕላገት ቃልሲ ወያነ ትግራይ

ሕላገት ቃልሲ ወያነ ትግራይ

1800

ቴሌቪዥን ትግራይ ምስ ጀጋኑ ዋዕሮታት ትግራይ  ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ እንዳክበሮ ዝመፀ በዓል ኣሸንዳ 2014 ዓ/ም መዛዘሚኡ ኣብ ከተማ መቐለ መድረክ ኣሳሊጡ፡፡

ኣብ’ቲ መድረክ ዝተረከበት ጀነራል ዘውዱ ኪሮስ ኣዴታት ትግራይ ብልፍንታውያን ሓይልታት ዝበፅሐን ግፍዒ ከይተሰኮና ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ሓመድ ለሒሱ ንክልዓል ልዑል እጃም ዘበርከታ ሕላገት ወያነ ትግራይ እየን ኢላ፡፡

ሐዚ እውን እንተኮነ ኣብ ድፋዕ ምስ ፀላኢ ፊት ንፊት ተፋጢጠን በዓል ኣሸንዳ ኣብ ምክባር ዝርከባ ጀጋኑ ዋዕሮታት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ልዑል ክብሪ ይግብአን ክትብል ሓቢራ፡፡

ጀጋኑ ዋዕሮታት ተጋደልቲ ትግራይ ብወገነን ሎሚ እነክብሮ ዘለና በዓል ኣሸንዳ ኣካል እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ምርግጋፅ ህላወናን መንነትናን ስለዝኮነ ኣብ ክንዲ ከበሮ ክላሽ ተሰኪምና፤ ኣብ ክንዲ ክዳን ዓለባና ክዳን ተጋደልቲ ተከዲንና ምክባርና ልዑል ፍናን ይስምዐና ኢለን፡፡

ብህይወት ብርሃነ