Home ጥዕና ሕማም ፀላም ከብዲ /hepatitis/

ሕማም ፀላም ከብዲ /hepatitis/

740

መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመላኽቶ ብምኽንያት ሕማም ፀላም ከብዲ /hepatitis/ ዝብገስ ቫይረስ ኣብ ዓመት ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት መዓልታዊ ድማ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት ይሞቱ።

ሕማም ፀላም ከብዲ ብቫይረስ ዝፍጠሩ ዝተፈላለዩ ፀገማት ጥዕና ከስዕብ ዝኽእል ኣብ ፀላም ከብዲ ዝፍጠር ረኽሲ ኾይኑ ሓሙሽተ ዓይነታት ሕማም ፀላም ከብዲ/A,B,C,D,E/ ኣለዉ፡፡

ኣልኮላዊ መስተ፣ ብሓኪም ዘይተኣዘዙ ኣፋውስ፣ ዓቐኑ ዘይፍለጥ ባህላዊ መድሓኒትን ዝተበከሉ ነገራት ምጥቃምን ነቲ ሕማም ዘቀዓልዑ ምኻኖም ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

ከም መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣብዚ ሕዚ እዋን ብደረጃ ዓለም 354 ሚልዮን ሰባት ምስ ሕዱር ቫይረሳዊ ረኽሲ ሕማም ፀላም ከብዲ ቢን ሲን ይነብሩ፡፡

ቐንዲ መመሓላለፊ መንገድታት ሕማም ፀላም ከብዲ ካብ ኣዶ ናብ ህፃን ጥንቃቐ ዝጎዶሎ ወሊድ፣ በላሕቲ ነገራት ብሓባር ምጥቃም፣ ካብ ሰውነት ብዝወፅእ ፈሳሲ፣ ምስቲ ሕማም ዘለዎ ዝግበር ጥንቃቐ ዝጎዶሎ ፆታዊ ርክብ፣ ዘይተመርመረ ደም ካብ ሰብ ምቕባል ዝመሳሰሉ ምኻኖም ይጥቀስ፡፡

ሕማም ፀላም ከብዲ ዝበዝሕ ግዜ ውፅኢት ረኽሲ እንትኾን፡ ካልኦት ረቛሒታት ግን ነቲ ኩነታት ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ምውሳድ ብቐጥታ ንዋህዮታት ፀላም ከብዲ ብምጉዳእ ድሕሪ እዋን ድማ ነባሪ ጉድኣት ከስዕብን ኣብ ምዕባስ ወይ በሰላ ቲሹ ፀላም ከብዲ (cirrhosis) ከምኡ’ውን ፀላም ከብዲ ስርሑ ደው ከብል ዘገድድ ኩነታት ከምዝፍጠር ሙሁራት እቲ ዓውዲ የመላኽቱ፡፡

መድሃኒታት ብዘይግቡእ ምጥቃምን ንመርዛማት ነገራት ምቅላዕን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ስርዓተ ምክልኻል ሰብነትና ንፀላም ከብዲ ከም ጎዳኢ ገይሩ ብምዉሳድ ከጥቅዓ ዝኽእል እንትኾን እዚ ድማ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ክበፅሕ ዝኽእል ረኽሲ የስዕብን ንስራሕ ፀላም ከብዲ ድማ የዕንቅፍን፤ እዚ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብሰለስተ ዕፅፊ ይበዝሕ።

ምስ ሕማም ፀላም ከብዲ ቢን ሲን ዝነብር ሰብ እቲ ጉድኣት ንስራሕ ፀላም ከብዲ ክሳብ ዝፀሉ ምልክታት ንከይርኢ ይኽእል እዩ። ብኣንፃሩ ሕዱር ሕማም ፀላም ከብዲ ዘለዎም ሰባት ብቫይረስ ፀላም ከብዲ ድሕሪ ምልካፎም ነዊሕ ከይፀንሑ ምልክታት ከርእዩ ይኽእሉ።

ልሙዳት ምልክታት ሕማም ፀላም ከብዲ  ድኻም፣ ጉንፋዕ ዝመስል ምልክታት፣ ዕውልውል ምባል፣ ተምላስ፣ ሙቐት ሰውነት ምውሳኽ፣ ቃንዛ ከብዲ፣ ሸውሃት ምግቢ ምጥፋእ፣ ብጫ ቆርበት እንትኾኑ፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝረኣዩ ምልክታት ድማ ምሕባጥ ሰውነት ብፍላይ ኸብዲ፣ ምሕባጥ ጣፍያ፣ ደም ንዓቐብ ምባል፣ ፍታን ፀሊም ምኻን፣ ምንካይ ክብደት፣ ውነኻ ምስሓት የካትቱ፡፡

ሕማም ፀላም ከብዲ ቀታሊ ሕማም ኮይኑ ግን ድማ ክድሕን ዝኽእል እዩ። ሜላታት መከላኸሊኡ ድማ ጥንቓቀ ዝተመልኦ ርክብ ግብረ ስጋ ምፍፃም፣ ምንካይ ኣልኮል መስተ፣ በላሕቲ ነገራት ብሓባር ዘይምጥቃም፣ ኣዴታት ቅድሚ ጥንሲ ሙሉእ ምርመራ ክገብራ ምግባር፣ ዓቐኑ ዘይፍለጥ ባህላዊ መድሓኒት ዘይምጥቃም፣ ፅሬት ውልቀን ከባብን ምሕላው፣ ኽታበት ምዉሳድን ይጥቀሱ፡፡

ጥዑይን ዝተመጣጠነን ኣመጋግባ፣ ኣሕምልቲ፣ ፍራምረ፣ ካብ ተኽሊ ዝርከቡ ፕሮቲናት፣ ዓሳን ቅብኣት ዘይብሉ ስጋን፣ ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት፣ ዝተበከሉ መግብታት ምውጋድን ሽኮር ዘለዎም መስተታት ብዘይምጥቃምን ምኽልኻላት ከም ዘካትት ምሁራን ይገልፁ፡፡

ብመዳይ ሕክምና  ስሩዕ ምርመራ ብምግባር ሕማም ፀላም ከብዲ ኤ፣ ኢ እንተኾይኑ ንሓፂር እዋን ዝፀንሕ ሕማም ብምኻኑ ሕክምና ከየድልዮ እኹል ዕረፍቲ ብምውሳድ ክድሕን ዝኽእል ሕማም እዩ፡፡

ሕዱር ሕማም ቢ፣ ሲ ፀረ-ቫይረስ መድሃኒታት ይፍውሶ ንብርክት ዝበሉ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ዝፀንሕን ዝውሰድ መድሓኒት ብዙሕ ወፃኢታት ዝሓትት ሕክምና እዩ።

ንሕማም ፀላም ከብዲ ዲ ፔጊለይትድ ኢንተርፈሮን ኣልፋ ካብ ፈወስቲ ኣፋዉስ ዝጥቀሰ እዩ። እንተኾነ እዚ መድሓኒት ከቢድ ጎናዊ ሳዕቤን ክህልዎ ስለ ዝኽእል ግቡእ ምርመራ ምግባር ከም ዘድልዮ ሓበሬታ ሄልዚላይን ይሕብር።

ብእፀገነት ግደይ