Home ዜና ሕሪይቲ ጋንታ ኣትሌቲክስ ትግራይ

ሕሪይቲ ጋንታ ኣትሌቲክስ ትግራይ

482

57 ኣባላት ዝሓቖፈት ሕርይቲ ጋንታ ኣትሌቲክስ ትግራይ ኣብ መበል 52 ውድድር ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሓ፡፡

ኣብቲ ብኣሰናዳእነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 8 ክሳብ 13 ጉንበት 2015 ዓ/ም ዝካየድ ዉድድር ኣትሌቲክስ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘቕነዐት ሕሪይቲ ጋንታ ትግራይ ክካየድ ብሰንኪ እቲ ክባን ዕፅዋን እቶም ኣትሌታት ዘካየድዎ ልምምድ ሓፂር እኳ እንተኾነ ኣብቲ ውድድር ምስታፋ ንቐፃሊ ትምህርቲ ንምውሳድ ከምዝሕግዝ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ተክለሃይማኖት ሓቢሮም፡፡

ፀሓፊ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ ኣይተ ሃፍቶም በርሀ ብግድኦም ኣትሌታት ትግራይ ንልዕሊ ኽልተ ዓመታት ከቢድ ሃሰያ ከምዘጋጠሞም ብምሕባር ሓፂር ምድላው ብምግባር ኣብቲ ውድድር ከምዝሳተፉ ገሊፆም፡፡

እቶም ኣትሌታት ካብ ሓፂር ክሳብ ነዊሕ ርሕቐት ብኽልቲኡ ፆታ ከምዝወዳደሩ እውን እቶም ፀሓፊ ኣገንዚቦም፡፡ ኣትሌታት ኣለሙ ካሕሳይን መሰረት ፀሃየን ኣብ መበል 52 ውድድር ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንትግራይ ወኪሎም ካብ ዝወዳደሩ ኣትሌታት ገሊኦም እንትኾኑ ልዕሊ ኽልተ ዓመታት ካብ ውድድራት ርሒቖም ከም ዝፀንሑን ኣካላዊን ስነ-ልቦናዊ ጉድኣት ከምዘጓነፎምን ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሕዚ ዝሳተፍሉ ዘለው ውድድር ከምመበገሲ ብምውሳድ ንቐፃሊ ፅቡቕ ውፅኢት ንምምዝጋብ ከምዝፅዕሩ እውን ገሊፆም፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ