Home ዜና ”ሕቶ ብምልዓልና ግዳይ ማእሰርቲ፣ ምፍርራሕን መዉቃዕትን ኮይና”-ነበርቲ ዶግዓ ተንቤን

”ሕቶ ብምልዓልና ግዳይ ማእሰርቲ፣ ምፍርራሕን መዉቃዕትን ኮይና”-ነበርቲ ዶግዓ ተንቤን

834

ብመሰረት ካብ ሕ/ሰብ ዝመፀኣና ጥቆማ ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተንቤን ጣብያ ሚካኤል ዓብይ ተረኺብና ዝ ተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣዘራሪብና ኣብታ ጣብያ ብርክት ዝበሉ ህዝቢ ዘልዕሎም ፀገማት ከም ዘለዉን ካብዚኣቶም ጎሊሁ ዝረአ ድማ ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣማሓደርቲ ጣብያን ቁሸትን ብደቆምን ብኣንስቶምን ዘይብሎም በዝሒ ዕያል እንዳባዝሑ ይወስድዎ፣ሓደ ኣመራርሓ ኣብ ክልተ ሰለስተ ቁሸት ደጋጊሙ ይወስድ፣ ንዝፈተዉዎን ዝፈልጥዎን ዘይፍትሓዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህቡ ከም ዝፀንሑ ገሊፆም። ብተወሳኺ እዉን ይብሉ እቶም ነበርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርካብ ቐንዲ መመዘኒ ጥሜትን ድኽነትን ክኸዉን እንዳተገቦኦ ብስም መኸተ ከም ዝዕደል ብጥሜት ዝተሃሰየ ወገን ድማ ንሞት ከም ዝቃላዕ እዮም ዝገለፅሉና።

ኣብዚ መዳይ ኣመልኪቶም ምላሽ ዝሃቡ መታሓባበሪ ጣብያ ሚካኤል ዓብይ ሃለቃ ብርሃኑ ወልዱ ጣብያና መርኣያ ጣብያ እምበር ፀገም የብልናን እቲ ኣመራርሓ ዕያል ወሲኾም ሰብኣዊ ሓገዝ ይወስዱ እዮም ዝተባሃለ ድማ ወረዳ ኣዚዙና እዩ ኢሎምና። ነዙይ ኣታዊ ዝገበርክሙሉ ቅብሊት ኣበይ ኣሎ ዝብል ሕቶ ቀሪብሎም ኣይተ ሃለቃ ብርሃኑ ወልዱ ግን ቅብሊት ኣይሓዝኩን ዝብል ምላሽ እዮም ሂቦም።

ኣማሓዳሪ ወረዳ ደጉዓ ተንቤን ኣይተ ተኽለሃይማኖት ገ/ህይወት ድማ እቶም ኣማሓደርቲ ጣብያን ቁሸትን ስለእንኣምኖም ንመኸተ ዝኸዉን እኽሊ እቶም ኣመራርሓ ዋላ በዝሒ ዕያል ኣያሃልዎም ወሲኾም ንከዉፅኡ እናገበርና ፀኒሕና ኢና ኢሎም። ምስ ኣተዓዳድላ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኣሳሲሩ ዝተልዓለሎም ሕቶ ግና መለኪዕና ፀገም እዩ፣ እቲ ብህዝቢ ዝቐረበ ሓሳብ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ እዩ ይብሉ እቶም ኣመራርሓ።

እዙይ ጥራሕ ኣይኮነን ንገባር ተባሂሉ ዝመፅእ ዘበናዊ ዱኽዒ ብነፃ ክወሃብ እናተገበኦ ሓደ ግዜ ሽሕ ካሊእ ግዜ ሰለስተ ሚኢቲ ብር ቅብሊት ዘየብሉ ክንከፍል እዉን ተገዲድና ኢና ኢሎም እቶም ነበርቲ። ኣመራርሓ ጣብያ ሚካኤል ዓብይ ሃለቃ ብርሃኑ ወልዱ ግና ንዘበናዊ ዱኽዒ ዝበሃል ፍፁም ኣየኸፈልናን ዋላ እውን ንመኸተ ሓደ ሽሕ ብር ዝበሃል ኣየኸፈልናን ይብሉ እሞ ፅንሕ ኢሎም ድማ ወረዳ ብዘውረደልና መምርሒ መሰረት ህዝቢ ካብ 300 ክሳብ 1000 ከከም ሃፍተ ገነቱ ንመኸተ ዘይከፈለ ዘበናዊ ዱኽዒ ከይትህብዎ ስለ ዝበለ እዩ ይብሉ ።

ብዛዕባ እቲ ቅብሊት ዘየብሉ ክፍሊት ዝብል ግን ኣብ 2014 ቅብሊት ኣይነበረን ዝኸፈለ ኣካል ድማ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ካልኦት መድረኻትን ክንበበሉ ይግበር እዩ ኔሩ ይብሉ። ኣማሓዳሪ ወረዳ ደጉዓ ተንቤን ኣይተ ተኽለሃይማኖት ገ/ህይወት ንዘበናዊ ዱኽዒ ዝበሃል ኣየኸፈልናን ምናልባት ኣብታ ጣብያን ቁሸትን ዘለዉ ፈፀምቲ ንመኸተ ምእንቲ ኩሉ ክኸፍል ምምሰኡ ኣተኣሳሲሮሞ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብል መልሲ ሂቡ።

ነቶም ልዕል ኢሎም ዝቐረቡ ፀገማትን ካልኦትን ህፁፅ መፍትሒ ክግበረልና ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ኣመራርሓ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ እታ ጣብያ ፍታሕ ንኽረክብ ካብ ቑሸት ክሳብ ወረዳን ዞባን ሕቶ ህዝቢ ብምቕራብና ግዳይ ማእሰርቲን መዉቃዕትን ምፍርራሕን ኮይና ይብሉ እቶም ነበርቲ ። ቴሌቨዥን ትግራይ ኣብታ ጣብያ ወሪዱ ድሕሪ ምዝርራቡ ንምንታይ ሚድያ ትፅዉዑ ንምንታይ ከ ሕቶ ተቕርቡ ብዝብል ምኽንያት ከምዝተወቕዑ ድማ ኣይተ ገ/ሄር ፍስሃፅዮን ገሊፆም።

ብህይወት ብርሃነ