Home ዜና ሕክምና ምቺ ሳምባ

ሕክምና ምቺ ሳምባ

625

ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ ውዱብ ጥዕና ዓለምን ቢሮ ጥዕና ትግራይን መጀመሪ መድረኽ ትግበራን ምርምርን ሕክምና ሳምባ ምቺ ተሳሊጡ፡፡ፕሮጀክት ኢምፒክት ኣብ ወረዳ ሕንጣሎን ከተማ ዓዲ ጉደምን መፅናዕቲ ትግበራን ምርምርን ሕማም ምቺ ሳምባ ከም ዘሳለጠ ኣፍሊጡ፡፡

ሕማም ምቺ ሳምባ ብቀታላይነቱ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ዝርከብ ሕማም ከም ዝኾነ ዝገለፃ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ስፔሻሊስት ህፃናትን በዓልቲ ምያ መፅናዕቲ እዚ ፕሮጀክትን ዶ/ር ስምረት ንጉሰን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ በዓልቲ ምያ ማሕበረሰብ ጥዕና ሓበን ሃ/ስላሰን ኣብ ወረዳ ሕንጣሎን ከተማ ዓዲ ጉደምን ተግባራዊ መፅናዕቲ ከም ዝተሳለጠ ገሊፀን ፡፡

ኣብ ማሕበረሰብ ግልጋሎት ትሕቲ 5 ዓመት ዘለው ህፃናት ኣብ ሳምባ ምቺ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ትግበራ ምርምር ከም ዝተገበረን ብቀፃልነት ከይዲ ምርምር መፅናዕቲ ከም ዝሰፍሕ ድማ ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት ምክልኻል ሕማም ሳምባ ምቺ ኣብ ማሕበረሰብ ኣይተ ታደለ ተስፈአን ገሊፆም፡፡

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትካላት ጥዕና ዓንየን ከም ዘለዋ ዝገለፁ ወኪል ቢሮ ጥዕና ኣይተ ገብረሃወርያ ገብረክርስቶስ እዚ መፅናዕቲ ኣብ 2 ወረዳታት ከም ዝትግበርን ብሕማም ምቺ ሳምባ ሕብረሰብ ሂወቱ ክስእን ከም ዘይብሉ ብምርዳእ ሰብ ምያ ጥዕና ንተግባራውነቱ ብትኹረት ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም፡፡

ህፃናት ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ናብራ ከም ዘለውን ኩሎም ፀገማት ተፃዊርና ትካላት ጥዕና ናብ ዝነበረኦ ንምምላስ ዝተዋደደ ፃዕሪ ከም ዝሓትት ዝገለፁ ተመራማሪ እቲ ፕርጀክት ዶ/ር ኣባዲ ልኡል ንዝሐሸ ግልጋሎት ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም፡፡

#ሃፍታይ ባህረ