Home ዜና ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ...

ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ ዘካየዶ መረፃ ኤጲስ ቆጶሳት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ተመዲቦም ዘገለግሉ ቆምስ ኣባ ሰረቀ ብርሃን ወልደሳሙኤል ዝርከብዎም 5 ኤጲስ ቆጶሳት ዕላዊ ገይሩ።ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ወፃኢ ዓዲ፦

477

ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ ዘካየዶ መረፃ ኤጲስ ቆጶሳት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ተመዲቦም ዘገለግሉ ቆምስ ኣባ ሰረቀ ብርሃን ወልደሳሙኤል ዝርከብዎም 5 ኤጲስ ቆጶሳት ዕላዊ ገይሩ።ብመሰረት እዚ ድማ ካብ ወፃኢ ዓዲ፦

1) ቆሞስ ኣባ ሰረቀ ብርሃን ወልደሳሙኤል

2) መልኣከ ገነት ኣባ ፅጌገነት ኪዳነ ወልድ

3) ኣባ ዘርኣዳዊት ብርሃነ

4)መልኣከ ፅሓይ ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ

5) መልኣከ ፅሃይ ኣባ የማነ ብርሃን ወልደሳሙኤል

ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ዕለት 5 ሓምለ ናብ ትግራይ እንተምርሑ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተዓጊቶም ንሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ምፅናሕ ብኣባላት ፀጥታ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ተገዲዶም ናብ ህንዲ ብኡ ኣቢሎም ድማ ናብ ዝነብርሉ ዓዲ ኣወስትራልያ ክምለሱ ተገይሩ እዩ።እቶም ኣቦ ኣብ ኣውስትራሊያ እንትበፅሑ ኣብቲ ዓዲ ብዝርከቡ ተጋሩን ዜጋታት እታ ሃገርን ድማ ድሙቕ ኣቀባበል ተገይርሎም።

#ሄለን ወልደዮውሃንስ