Home ቢዝነስ ሕድገት ክፍሊት ወለድ

ሕድገት ክፍሊት ወለድ

272

ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካብ ዓማዊላ ብመልክዕ ወለድ ክትረኽቦ ዝነበረት ልዕሊ 2.2ቢልዬን ብር ሰሪዛ። ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ውዙፍ ዕዳ ንዝነብሮም ዓማዊላ ካብ 30 ክሳብ 100 ሚእታዊ ዝበፅሕ ሕድገት ወለድ ከም ዝገበረት ዝገለፁ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እዚ ትካል ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ እዬም።

በዚ መሰረት ድማ በዚ ትካል ብዝተገብረ ፅንዓት መሰረት ኣብ ስራሕ ዝፀንሑን በዚ ፅንዓት ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ከምዘለዎም ዝተረጋገፁ ውሱናት ኣካላት ናይ 2014 -2015 ዓ/ም 30 ሚእታዊ ሕድገት ተገይርሎም፡ክኸፍሉ ተወሲኑ እዩ።

ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ድማ 60 ሚእታዊ ሕድገት ከም ዝተገብረሉ ዝገለፀ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣይተ ሳሚኤል ክፍለ እዬም። እዚ ትካል ብፉሉይ ይረኣዩ ንዝበሎም ኣካላት በቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝተሰውኡን ህልዋት ተጋደልትን ድማ 100 ሚእታዊ ሕድገት ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።ብተውሳኺ ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበፅሖምን ከምኡ እውን ፃታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ወገናት ሙሉእ ስረዛ ወለድ ከም ዝተገብረ እቲ ትካል ኣፍሊጡ። እዚ መስርሕ ኣብ ዝቕፅሉ ስለስተ ኣዋርሕ ማለት እውን ካብ ታሕሳስ ክሳብ የካቲት ዝኸፍሉ ኣካላት ተረባሕቲ ከም ዝገብር ሓቢሩ።

ሙስጦፋ ጡሃ