Home ዜና መልእኽቲ ፕረዝድንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

መልእኽቲ ፕረዝድንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ዳያስፖራ ትግራይን ካልኦት ደገፍትን፣ ድምፂ ዝተዓፈነ ህዝብኹምን ዓዱኹምን ኮይንኩም፣ ብዙሓት ሰብ ሰራሕን ተፈጥራውን ብድሆታት ተፃዋርኩም፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብኹም ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ፣ ማሕረሰብ ዓለምን መንግስታትን ከምኡ'ውን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰባት ክፈልጥዎን፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ፈፀምቲ ጀኖሳይድ ድፕሎማስያዊን ፖለቲካዊን ፀቕጢ ክገብሩን ብዘይዕረፍቲ ብምስራሕ፣ ሙሉእ ዓለም ዘስደመመ ተጋድሎ ኣካይድኩም ኢኹም። ...ዛጊድ ብዘርኣኹሞ ፅንዓትን ዝፈፀምኩሞ መስተንክራዊ ቅያን ዝፈጠረልና ተወሳኺ ጉልበትን ዝስመዐና ሓበንን ልዑል ምዃኑ ክገልፀልኩም ይፈቱ። ብዘርኣኹሞ መዳርግቲ ኣልቦ ህዝባዊነት ድማ ክትምስገኑ ይግባእ። ብዘካየድኩሞ ዘይሕለል ቃልሲ፣ ፖለቲካውን ድፕሎማስያውን ዓወታት ክነመዝግብ ክኢልና ኢና። እዚ ዘረጋግፆ ሓቂ፣ ህዝባዊ ዕላማ ንምዕዋት፥ ሓድነትና ምድልዳልን ውዳበታትና ምስጣምን ቁልፊ ናብ ዓወት ዝወስዱ መንገዲታት ምዃኖምን፣ ብተወሳኺ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ብብሄራዊ ክብሩን መንነቱን ንፃት'ውን እንተኾነ ከምዘይዋገን ዘረጋግፅ'ዩ። ዘካየድኩሞ ቃልስን ዝፈፀምኩሞ ቅያን ድማ፣ ኣብ ታሪኽ ምዕራፋት ቃልሲና ኣዝዩ ልዑል ቦታ ዝወሃቦን እናተዘከረ ዝነብርን'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ሕዚ'ውን ዝተሓንገጥኩሞ ህዝባዊ ኣጀንዳ ንምዕዋት ሓድነትኩምን ውዳበታትኩምን ኣስጢምኩም መርሹ!! ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና! ትግራይ ትስዕር! ሰላም!

1358