Home ዜና መምርሒ ትርፊ ምፅዓንን ታሪፍን ምዕንቃፍ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ፦ቢሮ ትራንስፓርትን መራኸብን ትግራይ

መምርሒ ትርፊ ምፅዓንን ታሪፍን ምዕንቃፍ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ፦ቢሮ ትራንስፓርትን መራኸብን ትግራይ

265

ድሕንነትን ሕቶ ህዝቢ ንምምላስን አብ ትርፍን ታሪፍን ሓዱሽ መምርሒ ምውፁኡ ስዒቡ  አብ ግልጋሎት መጎዓዝያ ዕንቅፋት ንዝፈጥሩ ሰብ ዋና ተሸከርከርቲ  ስጉምቲ ከምዝወስድ ቢሮ ትራንስፓርትን መራኸብን ትግራይ አፍሊጡ።

ብሰንኪ ዝተአወጀ  ጀኖሳይዳዊ  ኩናት ፣ግልጋሎት መጎዓዝያ ትግራይ ኩለ መዳይ ዕንወትን ምዝባዕ ስርዓትን አጋጢሙዎ ህዝቢ ንአደዳ ወፃእታትን ምንግልታዕን ከም ዝተሳጠሓ  ሓላፊ ቢሮ ትራንስፓርትን መራኸብን ትግራይ አይተ ታደለ መንግስቱ ገሊፆም።

 ንአገልገልትን ተገልገልትን ፤ ንዘጋጠመ ኩሉ መዳይ ሃሰያን ናህሪ ዋጋን አብ ግምት  ብምእታው ሓዱሽ መምርሒ ትርፊ  ምፅዓን ንሓደ ሰብ ክልተ ሚኢቲ ብር ቅፅዓት ክትግበርን ታሪፍ  መፅናዕቲ መሰረት ዝገበረ  ሕጊ ምውፅኡ ስዒቡ ሕጊ ንዘይምትግባር ዝግበር ዓመፅ ቅቡሉነት ከምዘይብሉ አይተ ታደለ ገሊፆም።

መንግስቲ ንህዝቢ ግልጋሎት ዝፈቐዶ ድጎማ ነዳዲ እንዳተጠቀምካ አገልግሎት መጎዓዝያ  ምቁራፅ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ ዝበሉ አይተ ታደለ፤ ሕጊ አብ ዘየተግብሩ ሰብ ዋና አሸከርከርትን ገናሕትን  ካብ ታርጋ ምምላስ ክሳዕ ምእጋድ ዝበፅሑ ሙምርሒ ዝፈቅዶ ኩሉ ዓይነት  ስጉምቲ ከምዝውሰድ ሓቢሮም።

ዘላቂ ድሕንነትን ዘይምዕሩይ ግልጋሎት መጎዓዝያ ናብ ስርዓት ንምእታው ህዝብን ዝምልከቶም አብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ወገናት ክሕግዙ ይግባእ ክብሉ ሓላፊ ቢሮ ትራንስፓርትን መራኸብን ትግራይ አይተ ታደለ መንግስቱ ፀዊዖም።

ብጎይትኦም ተኸስተ