Home ዜና መረረት ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ምኽፋል ሒሳብ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ  

መረረት ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ምኽፋል ሒሳብ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ  

1050

ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ምኽፋል  ሒሳብ ግልጋሎት ሓይሊ ኤልክትሪክ የጋጥሞም ብዘሎ ፀገማት መረረቶም ብምግላፅ ነቲ ዘሎ ፀገም ብዝምልከቶ አካል ቅልጡፍ መፍትሒ ክግበረሉ ፀዊዖም፡፡

ነቲ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ዝሓበረ ግልጋሎት ሓይሊ ኤልክትሪክ ከተማ መቐለ ብወገኑ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ሒሳብ ንምኽፋል ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ መማረፂታት ክጥቀም ይግባእ ኢሉ፡

ሒሳብ ግልጋሎት ሓይሊ ኤልክትሪክ ክኸፍሉ ዝረኸብናዮም ነበርቲ ከተማ መቐለ ስሉጥን ግቡእን ግልጋሎት ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ንዘይተደለየ ምንግልታዕ ይቃለዑን ግዜኦም የጥፍኡን ከምዘለው መረረቶም ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ እውን እቶም ነበርቲ ኣብ ትግራይ ሓይሊ ኤልክትሪክ ኣብዘይነበረሉ እዋን ግልጋሎት ተጠቕምኹም ብምባል ሐዚ ሒሳብ ክኸፍሉ ይግደዱ ከምዘለውን ቆፃሪ ተቆሪፅዎም ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ይኾኑ ከምዘለውን ብምግላፅ ነቲ ዘሎ ፀገም ብዝመልከቶም አካላት ቅልጡፍ መፍትሒ ክግበረሉ ሓቲቶም፡፡

ነቲ ኣብ ክፍሊት ሒሳብ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ብትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣካያዲ ስራሕ ግልጋሎት ሓይሊ ኤልክትሪክ ቁፅሪ ሓደ ከተማ መቐለ ኣይተ ገ/ስላሰ ሓዱሽ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ሒሳብ ንምኽፋል ዝኽእለሉ ከም ቴሌ ብር ዝኣመሰሉ መማረፂታት ክጥቀም ይግባእ ኢሎም፡፡ 

ብተወሳኺ እውን ኣይተ ገ/ሰላሰ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ተገልጋላይ ሕብረተሰብ ብዓርሰ ፍቃዱ ሒሳብ እናኸፈለ ከምዝመፀ ብምሕባር ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ካብ ወርሒ ሰነ 2015 ዓ/ም ንነዚ ናይ ዝተጠቀመሉ ግልጋሎት ሒሳብ ይኸፍል ከምዘሎን ዛጊድ ኣብ ትግራይ ናብ ስርዓት ዝኣተወ እምበር ዝተቆረፀ ቆፃሪ ከምዘየለን ኣብሪሆም፡፡

ብታደለ ዳኘው