Home ዜና መረፃ ሜክሲኮ

መረፃ ሜክሲኮ

68

ሜክሲኮ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ብጓል ኣነስተይቲ ፕሬዝደንት ክትምራሕ እያ።

ኣብ ሜክሲኮ ትማሊ 25 ግንቦት 2016 ዓም ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ ክላውድያ ሸንባውም ብሰፊሕ ኣፈላላይ ትመርሕ ምህላዋ ተገሊጹ።

ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ኰይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ጓል 61 ዓመት ክላውድያ ሸንባውም 56 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ነታ ቀንዲ መነሓንሕታ ኾይና ንፕረዚደንትነት ክትወዳደር ዝጸንሐት ሶቺል ጋልቨዝ ትመርሓ ከም ዘላ ተሓቢሩ።

ደገፍቲ እቲ ክላውድያ ሸንባውም ትመርሖ ፓለቲካዊ ውድብ ሞረና ፤ ውፅኢት እቲ መረፃ ከም ውዱእ ስለ ዝወሰድዎ ድሮ ሓጎሶም ምግላፅ ጀሚሮም’ዮም።

ክላውድያ ሸንባውም ግና ካብ ኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር ዕላዊ መግልጺ ክሳብ ዝወሃብ ደገፍታ ብዓቕሊ ክጽበዩ እናሓተት እያ ዘላ።

ኮሚሽን መረፃ ሜክሲኮ ሓፈሻዊ ውጽኢት ሎሚ ምሸት 26 ግንቦት 2016 ዓ.ም ክገልፅ ትጽቢት ከምዝግበር ሮይተርስ ፀብፂቡ።