Home ዜና ”መሰረታዊ ሳዕቤን ጸገምና ትካላውነት ዘይምኽታል እዩ።” – ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም

”መሰረታዊ ሳዕቤን ጸገምና ትካላውነት ዘይምኽታል እዩ።” – ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም

1046

መድረኽ ዕላውነት ፥ ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ስልጠናን ፖሊሲ ገርዓልታ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

ኣብዚ መድረኽ ሙሁራት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብቪድዮ ኮንፈረንስ መልእኽቲ ኣሕሊፎም እዮም።

ሕጋውነትን ትካላውነትን ዝተሞርኮሰን ራኢ ዘለዎ መሪሕነትን ንኽሰፍን ከምዚ ዓይነት ኢንስቲትዩት ኣድላዪ ከምዝኾነን ፤ ትግራይ ዳግም እትህነፅ እውን በዚ መንገዲ ክኸውን ከምዝግባእን ነበር ላዕለዋይ ኪኢላ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዶ/ር ኣኽሱማዊት ገብረእግዚኣብሄር ገሊፀን።

ኣብ ፍልጠት ዝተሞርከሰ መሪሕነት ክህሉን ፤ ሰላም ፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ክሰፍን ከም ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ስልጠናን ፖሊሲ ገርዓልታ ዝኣመሰሉ ትካላት ምርምር ክስስኑ ድጋፍ ምሃብ ከምዘድሊ ዝሓበሩ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ ዓለም ለኸ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ዘርእሰናይ ኣለምሰገድ እዮም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ኣሰፋ ፍስሃ ብወገኖም ፥ናብ ብርኪ ፅንተት ዝበፃሕናሉ ምኽንያት ኮነ ተኣናፊ ጂኦ ፖሎቲካል ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን ንምፍላጥ እዚ ኢንስቲትዩት ሓጋዚ ክኸውን ተስፋ እገብር ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመን ብሰላሕታ ዝቕፅልን ዘሎ ጄኖሳይድ ኣለና ዝበሉ ምክትል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ስልጠናን ፖሊሲ ገርዓልታ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ብወገኖም ፥ መሰረታዊ ሳዕቤን ፀገምና ትካላውነት ዘይምኽታል ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም።

ትግራይ ፅምኢ ሰናይ ምምሕዳርን ዴሞክራስን ጸኒሕዋን ኣለዋን ኢሎም መደረኦም ዘስምዑ ድማ ቆሞስ ኣባ ጥዑም በርሀ እዮም። መበገሲኡ እውን ብፍልጠትን ብቕዓትን ዘይተሃነጸ መሪሕነት ስለዘሎ እዩ ኢሎም። ምእንተ ‘ዚ ፥ እዚ ኢንስቲትዩት ነዚ መፍትሒ ከቕምጥ ፀዊዖም።

ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ስልጠናን ፖሊሲ ገርዓልታ፤ ዘይሻራውን ዘይመትራፋይን ኮይኑ ከምዝሰርሕን ኣብ ስርጸት ዲሞክራሲ ዝተደገፈ ዳግመ ሕውየትን ህንጸትን ትግራይ ንምርግጋጽ ብቱኽረት ከምዝነጥፍን ድማ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ኣረጋጊፆም።

ንፕሮፌሰር ዘርእሰናይ ኣለምሰገድ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ተመራመርትን ዓለምለኻውያን ሙሁራትን ኣባላት እዚ ኢንስቲትዩት ከምዝኾኑ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

#ኤፍሬም_ረደሀይ