Home ዜና መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዩቤልዩ በዓል ምስረታ ቃላሚኖ

መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዩቤልዩ በዓል ምስረታ ቃላሚኖ

236

ህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነትን ድሕረትን መሊኡ ዝወፅእ ፍልጠትን ክእለትን ዝወነነ ምኽንያታዊ ወለዶ እንትህነፅ እዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝገለፁ ኣብ መዛዘሚ መበል 25 ዓመት በዓል ምስረታ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ኮይኑ ፥ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝረጋገፅ ከም ቃላሚኖ ዝኣመሰላ ፀገም ማሕበረሰብ ኣብ ምፍታሕ ርኡይ ብፅሒት ዘለወን ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምግፋሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቀንዲ ዕማሙ ገይሩ ከም ዝሰርሕ ገሊፆም።

ኣብ ማእኸል ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ተማሂሮም ዘመኑ ዝጠልቦ ፍልጠት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝወነኑ ብሉፃት ተመራመርቲ ከም ዘለው ዝሓበሩ ኣቦ መንምበር ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኢንጅነር ታደሰ የማነ ብወገኖም እዞም ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለው ምሁራት ተጋሩ ሕዉየት ትግራይ ንምርግጋፅ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ግቦኦም ክፍፅሙ ፀዊዖም።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ፀረ ድኽነት ቃልሲ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ንምካት እውን ግዝያዊ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ትሰርሕ ምህላዋ ኢንጅነር ታደሰ የማነ ወሲኾም ገሊፆም ።

ኩለመዳያዊ ሕውየት ትግራይ ዝረጋግፅ ብፍላይ ድማ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ብዙሓት ከም ቃላሚኖ ዝበላ ትካላት ንምህናፅ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ትሰርሕ ምህላዋ ዝገለፁ ድማ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄር ዮም።

ብርሃነ መስፍን