Home ዜና መበል 27 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ 15 ሕዳር 2016 ዓ/ም ኣብ...

መበል 27 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ 15 ሕዳር 2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ።

204

ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ኘሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብምኽንያት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ሲዒቡ ኣብ መሰረተ ልምዓት ስፖርት ዝበፅሐ ዕንወት ናብ ንቡር ንምምላስ ርብርብ ኩሉ ከም ዝሓትት ገሊፆም።

ስፖርት ጥዕንኡ ዝተማልአ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናፅ ልዑል እጃም ከም ዘለዎ ዝገለፁ ፕሬዝዳንት ጌታቸው እዚ ንክኸውን ድማ መሰረተ ልምዓት ኣገዳሲ ብምዃኑ ከቢድ ዕንወት ዝበፅሖም ትካላት ስፖርት ትግራይ ደጊምካ ንምህናፅ ኣብ ዝካየድ ስራሕ እቶም ጉባኤተኛታት ግድኦም ከበርክቱ ተላብዮም።

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብዝግባእ ተተግቢሩ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብምምርግፅ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ንኽምለሱ እቶም ጉባኤተኛታት ፀቕጢ ክገብሩ ከም ዝግባእ እውን ኣይተ ጌታቸው ገሊፆም።ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከም ውልቀ ኘሬዝዳንት ፌደረሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ካብ ፈለማ ኣትሒዛ ኣትሌታት ትግራይ ኣብ ምሕብሓብ ንዝነበራ ግደ ንኢዶም።

ፕሬዝደንት ፌዴረሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ብወገና እቲ ጉባኤ ኣብ ትግራይ ክካየድ ንዝፈቐደ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምንኣድ ስፖርት ሰላምን ሓድነትን ኣብ ምፍጣር ልዑል ግደ ከም ዘለዎን ንዘላቕነት ኩለና ክንሰርሕ ይግባእ ኢላ።መበል 27 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴረሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንዝቕፅሉ ክልተ መዓልታት እዩ ክቕፅል እዩ።

ክብሮም ተሰፋይ