Home ዜና ዓለም ለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ መትሓዚ ዘየድልዮ መተግበሪ ልቓሕ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ መትሓዚ ዘየድልዮ መተግበሪ ልቓሕ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ።

2183

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ሕሉፍ መሃኦም መሊኡ ስለዘይተኸፈሎም ሐዚ እውን ካብ ዓጸባ ኣይወፁን። ዓለም ለኸ ባንኪ ኣንበሳ ብወገኑ ጸገማት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምፍታሕ ክሳብ 300 ሽሕ ቕርሺ ልቓሕ ንምውሃብ ዘኽእል መተግበሪ መስርሕ ኣዳሊዉ ከምዘሎ ምክትል ፕሬዝዳንት እቲ ባንኪ ኣይተ ኣክሊል ሓየሎም ይገልጹ።

እቲ ልቓሕ ንምውሳድ መትሓዚ ውዕል ከም ዘየድሊ ዝገለጹ ኣይተ ኣክሊል፣ እዚ መተግበሪ ካልኦት ክፋላት ሕ/ሰብ ክጥቀምሉ ከምዝስራሕ እውን ይዛረቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተገልገልቲ ገንዘቦም ኣብ ባንኪ ናይ ምቑጣብ ድሌቶም ይውስኽ ከምዘሎን ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ድማ ኣሰራርሕኡ ንዓማዊሉ ንምልላይ ምስ ሚድያታት፣ ትካላት ንግዲን ኪነ-ጥበባትን ትግራይ ን2 ዓመታት ዝጸነሕ ውዕል ኣሲሩ ከምዘሎ ኣይተ ኣክሊል ሓቢሮም።

ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ዓማዊሉን ተገልገልቱን ኣሰራርሕኡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ የፋልጥ ከምዝነበረ ደሕሪ ምግላጽ ከም ሳዕቤኑ ድማ ሕ/ሰብ ክርድኦ ከጽግመሉ ከምዝጸነሐን ፥ ሕዚ ግና ኣሰራርሕኡ ብቋንቋ ትግርኛ ንምልላይ ውዕሊ ከምዝተፋራረመ ኣይተ ኣክሊል ሓየሎም ገሊፆም።

ተወዓዓልቲ ኪነ ጥበበኛታት ብወገኖም ፤ እዚ ውዕል መንነት ተጋሩ ካብ ምዕቃብ ብተወሳኺ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ከምዝኾነ ተዛሪቦም። 

#ኤፍሬም_ረደሀይ