Home ዜና መንግስቲ ትግራይ ንሰላም ቅድሚያ ዝህብ ስትራቴጅያዊ ድሌት ህዝቢ ንምዕዋት እዩ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ንሰላም ቅድሚያ ዝህብ ስትራቴጅያዊ ድሌት ህዝቢ ንምዕዋት እዩ፡፡

921

ስትራቴጂዊ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ንምዕዋት መንግስቲ ትግራይ ንሰላም ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሕ መንባሩን ሕዚ እውን ኣጠናኺሩ ይቕፅለሉ ብምህላዉ ድሌት ሰላም ዘይነበሮም ሓይልታት ተገዲዶም ክኣትዉ ዝገብር ስራሕቲ ምስርሑ ወሃቢ ቃል ሴንትራል ኮማንድ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም፡፡

ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዘቢ ትግራይ ንኽኣቱ መንግስቲ ትግራይ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ወሲዱ ንተግባራውነቱ እውን ብዕቱብ ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ብእኹል መጠንን ብዘድሊ ግዜን ንኸይበፅሕ እቲ ፋሽሽታዊ ጉጅለ የተዓናቕፍ ምፅንሑ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዝቐረበ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝድለ መጠን ኣብ ርእሲ ዘይምእታዉ   ለገስቲ ትካላት ነዳዲ በቲ ፋሽስታዊ ጉጅለ ስለ ዝተኸልከሉ ናብቲ ኣብ ፀገም ዝርከብ ህዝብና ሓገዝ ክበፅሕ ኣይከኣለን ኢሎም ኣይተ ጌታቸው፡፡

እቲ ፋሽሽታዊ ጉጅለ መንግስቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ንሰላም ዝህቦ ዘሎ ዕድላት ገዲፍካ ሰበኣዊ ሓገዝ ከይቐርብ ምትዕንቓፍ ዝተዓፀዉ ግልጋሎታት ባንኪ ፤ ስልኪ ፣ መብራህቲ ንምኽፋት ዓመታት ዝወስድ ገይርካ ንምቕራብ ዝፍተን ዘሎ ተቐባልነት ዘይብሉ ዘረባ  ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣስሚሮምሉ እዮም፡፡

Website
www.tigraitv.com
Telegram
https://t.me/Tigrai_Ttv
Email
info@tigraitv.com
Twitter
https://twitter.com/Tigrai_TV
Instagram
https://www.instagram.com/tigrai.tv
YouTube
https://www.youtube.com/c/TigraiTv