Home ዜና መንግስቲ ትግራይ ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል /Cessation of Hostilities/ ወሲኑ።

መንግስቲ ትግራይ ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ምባል /Cessation of Hostilities/ ወሲኑ።

1283

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ካብ ቀደሙ ኣብሰላም ዘለዎ መርገፂ ግልፂ እዩ። ፖለቲካዊ ፀገማት ብሰላም ክፍትሑ ከምዘለዉ እውን ካብ ጒሓቱ ብዘየላጢ ኣግባብ ንፈታዊን ፀላኢን ዕላዊ ገይሮም እዮም። ምኽንያቱ ሰላም ናይ ህልውና ጉዳይ ገይሮም ይኣምኑሉ ጥራሕ እንተይኮነስ ተግባራዊ ንክኸውን እውን በብእዋኑ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ገይሮም እዮም።
ብሓፂሩ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ገጢሙና ዘሎ ኩነታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኩሉ ጊዜ ቁሩባትን ድሉዋትን ምዃኖም፥ ኣፍቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኩሎም መዳረግቲ ኣካላት ክፈልጡዎ ብተደጋጋሚ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም። ቅድሚ 17 ኣዋርሕ ከይፈተና ተገዲድና ህልውናና ንምርግጋፅ ናብ ኲናት ዝኣተና ኩሎም መማረፂታት ሰላም ብምዕፃው፥ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ንምጥፋእ ኣብ ልዕሊኡ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ተኻይዱ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ስለዝተወሰደ እዩ።
ብሓፈሻ ትማሊ ይኹን ሎሚ ፈላማይ ኣማራፂና ሰላም እምበር ኲናት ኣይነበረን። ሎሚ’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ ብምኽንያት ኲናት ዝተፀገመ ህዝብና ንምሕጋዝ ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝተልኣኸሉ ድጋፍ ብዘይዓንቀፍቀፍ ክበፅሖ ዝግባእኳ እንተነበረ፥ ብምኽንያት ክባን ዕፅዋን ዝኣተወ ሓገዝ የለን። ሕዚ ግን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝድለ ዓይነት፥ መጠንን ጊዜን ንህዝብና ክበፅሕ ዘኽእል ኩነታት እንተድኣ ተመዓራሪዩ ካብ ሎሚ ጀሚርና ጊዝያዊ ተፃብኦ ደው ንምባል መንግስቲ ትግራይ ወሲኑ ኣሎ። ንተግባራዊነቱ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ከምዝገብር መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብኽብሪ ይገልፅ።
ትግራይ ትስዕር!
መንግስቲ ትግራይ
መጋቢት 15፥ 2014 ዓ/ም
መቐለ