Home ቢዝነስ መዋፀኣይ ዓውደ ስራሕ

መዋፀኣይ ዓውደ ስራሕ

81

ኣብ ከተማ ኣጉላዕ ኣብ ምርባሕ ምሩፃት ዓሌት ከፍቲ ዝተዋፈሩ ወገናት በቲ ዓውዲ ስራሕ ተረባሕቲ ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኣይተ ተኽለሃይማኖት ታደሰ ብ 8 ሽሕ ብር መበገሲ ካፒታል ክልተ ምሩፃት ዓሌት ከፍቲ ብምግዛእ ዝጀመርዎ ስራሕ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 30 ከፍቲ ክውንኑን ኣብ መዓልቲ ብማእኸላይ 150 ሊትሮ ፀባ ክረኽቡን ከምዘኽአሎም ይዛረቡ።

ኣብዚ እዋን ንሓንቲ ምሩፅቲ ዓሌት ላሕሚ ካብ 200 ሽሕ ብር ክሳብ 300 ሽሕ ብር ከምእትሽየጥ ዝገለፁ ኣይተ ተክለሃይማኖት ኣብቲ ዓውዲ ስራሕ ተዋፍሮም ን6 ወገናት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩን መነባብሮኦም ከም ዘመሓየሹን ድማ ይገልፁ።

ምርባሕ ምሩፃት ዓሌት ከፍቲ ንምዝማን ብትኹረት ዋላ እንተሰርሑ ይሰርሑ ስእነት መዳቀሊ ዘርኢን ፀገም መሰረተ ልምዓት መብራህቲን ዕንቅፋት ስርሖም ኮይንዎም ኣሎ። እቲ ፀገም ብዝምልከቶም ኣካላት ቅልጡፍ መፍተሒ ክግበረሉ ድማ ሓቲቶም።

ብተመሳሳሊ ካሊእቲ ነባሪት እታ ከተማን ኣብ ምርባሕ ምሩፃት ዓሌት ከፍቲ ዝተዋፈራን ወ/ሮ ሙሉ ምሩፅ እውን ብሓንቲ ላሕሚ ዝጀመርኦ ስራሕ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 10 ከፍቲ ክውንና ኣኽኢልወን ኣሎ።

ምርባሕ ከፍቲ ቡዙሕ ፃዕሪ ዝሓትትን ዝሐሸ ኣታዊ ዝርከቦን ዘፈር ስራሕ ምዃኑ ድማ ጠቒሰን።

እቲ ስራሕ ኣብ መንበሪ ገዛአን የሳልጠኦ ከምዘለዋን ስእነት መራበሒ ቦታ ከምዘለወንን ብምግላፅ እቲ ዘለወን ፀገም መርበሒ ቦታ ብህፁፅ ክፍተሐለን ይፅውዓ።

ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ብፍላይ ድማ ከተማ ኣጉላዕ ብሃፍቲ ምሩፃት ዓሌት እንስሳት ዕቁር ዓቅሚ ዘለዎ ከባቢ ከምዝኾነ ዝሓበሩ በዓል ሞያ ሃፍቲ እንስሳ እታ ወረዳ ኣይተ ፀጋዝኣብ ገ/እግዚኣብሄር በቲ ዓውዲ ስራሕ ሕብረተሰብ ተረባሒ ንክኾውን ዝተዋደደ ፃዕሪ ህዝብን መንግስትን ከምዝጠልብ ኣረዲኦም።

#ብታደለ_ዳኘው