Home ቢዝነስ መዋፃኣይነት_ ምርባሕ_ ደርሁ

መዋፃኣይነት_ ምርባሕ_ ደርሁ

56

ኣብ ምርባሕ ደርሁ ዝተዋፈሩ ነበርቲ ከተማ ውቕሮ እቲ ዓውዲ ስራሕ ኣዋፃኣይን ለዋጣይን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሻለቃ መኮነን በየነ ኣብ 2006 ዓ/ም ብ18 ሽሕ ብር መበገሲ ምርባሕ ደርሁ ከም ዝጀመሩ ይዛረቡ ። እቲ ዓውዲ ስራሕ ለዋጣይን ከምዝኾነ ድማ ይሕብሩ።

አብ ምርባሕ ደርሁ ተዋፍሮም ልዕሊ 1 ሚልን ብር ወኒኖም ከም ዝነበሩን ኣብ ከተማ ውቅሮ ድማ ቦታ ብምግዛእ መንበሪ ገዛ ከም ዝሰርሑ ዝሓበሩ ሻለቃ መኮንነ በቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ማህሰይቲ ከም ዝበፀሖም ገሊፆም።ተረኺቡ ብዘሎ ተነነፃፃሪ ሰላም ናብ ስራሕ ከምዝኣተውን ን6 ወገናት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩን ድማ ይሕብሩ ።

ወ/ሮ መብርሂት ገብረ ድማ ኣብ ምርባሕ ደርሁ ዝተዋፈራ ነባሪት ከተማ ውቅሮ እትኾና ኣብ 2011 ዓ/ም ብልቃሕ ብዝረኸበኦ 60 ሽሕ ብር መበገሲ ስራሕ ከምዝጀመራ እየን ዝዛረባ።

ኣብ ዝሓፀረ እዋን ልቃሐን ከምዝመለሳን መነባብሮአን ከምዘመሓየሻን ገሊፀን ። በቲ ፅንተታዊ ኲናት ዕንቅፋት ከም ዝበፀሐ ገሊፀን ። ሐዚ ብዘሎ ሃዋሁው ሰላም ናብ ምርባሕ ከምዝኣተዋን ንቀፃሊ እውን ናብ ዓበይቲ ሆቴላት ንምክፍፋል መደብ ከምዘለወንን ሓቢረን።

እቶም ነበርቲ ፀገም መሰረተ ልምዓት መብራህቲ ከምዘለዎምን ነቲ ዘሎ ፀገም ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ህፁፅ መፍተሒ ክገበረሉን ፀዊዖም።

#ብታደለ_ዳኘው