Home ዜና መዓልቲ ህፃናት

መዓልቲ ህፃናት

562

ህፃናት ትግራይ መዓልቲ ህፃናት ኣብ ፍቖዶ መዕቖቢ ማእኸላት ኣብ ከቢድ ፀገም ኮይኖም የሕልፍዎ ከምዘለው ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ ሚ/ጀነራል ዘውዱ ኪሮስ ከምዝገለፃኦ ህፃናት ትግራይ ቅድሚ ኩናት ትግራይ ኣብ ክሊ ብሩህ ተስፋ ኮይኖም የኽብርዎ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመት ግና ይትረፍ መዓልቲ ህፃናት ከኽብሩ ናይ ምንባር መሰሎም ዝተመንጠልሉ ግዘ ምንባሩ ኣረዲእን።

ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ኣንፃራዊ ሃዋህው ሰላም ኮይኖም ይኽብርዎ ምህላዎም ሓቢረን ኮይኑ ግና ሐዚ እውን ኣብ ኩለመዳያዊ ፀገማት ኮይኖም ፍቕዶ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኮይኖም ይሕልፍዎ ምህላዎም ገሊፀን።ኣብ ሕውየት ስነ ልቦና ህፃናት ኩሉ ክፋል ማሕበረስብ ሓጋዛይ ክኸውን ይግባእ ኢለን።

#ብእያሱ በርሀ