Home ዜና
410

ዩኒቨርሲቲ ራያ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ተቛሪፁ ዝፀነሐ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምቕፃል ካብ 6 ሰነ 2015 ዓ/ጀሚሩ ተምሃሮ ምቕባል ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ፕሬዝደንት ዩኒቨርስቲ ራያ ፕሮፌሰር ታደሰ ደጀኔ ብወገኖም ዩኒቨርሰቲ ራያ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዘቋረፆ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ካብ ዝ/ዩ ከባቢታት ኢ/ያ ዝመፁ ልዕሊ 900 ተምሃሮ ይቕበል ከምዘሎ ገሊፆም።

ምክትል ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ገ/ሂወት ብወገኖም ተረኺቡ ዘሎ ሃዋህዉ ሰላም ኩልና ክንሕልዎ ይግበእ ተምህሮ ድማ ትምህርቶም ብዝገባእ ብምክትታል ንዓድን ህዝቦምን ዝጠቅም ፍልጠት ክጭብጡ ከም ዝግባእ ፀዊዖም ።

#ሃፍቱ ብስራት