ዩኒቨርሲቲ ራያ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ተቛሪፁ ዝፀነሐ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምቕፃል ካብ 6 ሰነ 2015 ዓ/ጀሚሩ ተምሃሮ ምቕባል ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።
ፕሬዝደንት ዩኒቨርስቲ ራያ ፕሮፌሰር ታደሰ ደጀኔ ብወገኖም ዩኒቨርሰቲ ራያ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዘቋረፆ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ካብ ዝ/ዩ ከባቢታት ኢ/ያ ዝመፁ ልዕሊ 900 ተምሃሮ ይቕበል ከምዘሎ ገሊፆም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/tt3.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/tt4.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/tt2-767x1024.jpg)
ምክትል ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ገ/ሂወት ብወገኖም ተረኺቡ ዘሎ ሃዋህዉ ሰላም ኩልና ክንሕልዎ ይግበእ ተምህሮ ድማ ትምህርቶም ብዝገባእ ብምክትታል ንዓድን ህዝቦምን ዝጠቅም ፍልጠት ክጭብጡ ከም ዝግባእ ፀዊዖም ።
#ሃፍቱ ብስራት