Home ዜና መዓልቲ ሰብኣዊ መሰል ዓለም

መዓልቲ ሰብኣዊ መሰል ዓለም

252

ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክትግበርን ተሓታትነት ክረጋገፅን መዓልቲ ሰብኣዊ መሰል ዓለም ኣብ ዝኽበረሉ አዋን ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ተገሊፁ።

ብምኽንያት መበል 75 ዓመት መዓልቲ ሰብኣዊ መሰል ዓለም እናተኸበረ ኣብ ዘሎ በዓል ዝተፈላለዩ ተምሃሮን መማህራንን ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ካልኦት ዝምልከቶም ወገናትን ኣብ ዘተሳተፍሉ መድረኽ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሮቶርያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዘለዎን ግደ ዝብሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብሙሁራን ዪኒቨርስቲ መቐለ ቀሪቦም።

ኣብቶም ዝቀረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት መሰረት ጌሮም ድማ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ሕቶታትን ዘልዓሉ ኮይኖም ዕላማ እቲ መድረኽ ድማ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ዘገናዘበ እዩ ኢሎም።

ዓለም በቢዓመቱ እዚ በዓል እንተኽበረቶ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝፍፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደዱ እዮም ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ሪኢቶ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለም እዚ በዓል ኣብ እተኽብረሉ ይትረፍ ዶ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ህዝቢ ትግራይ ክኽበሩ ሕዚ ውን ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ይቅፅል ኣሎ ከምዘሎ ገሊፆም።

ስለዚ ድማ ይብሉ እቶም ተሳተፍቲ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ህዝቢ ትግራይ መሊኦም ክኽበሩ ውዕሊ ሰላም ፐሪቶርያ ተግባራዊ ክኸውንን ወረርቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክወፅኡን ኢሉ እውን ዝተፈፀሙ ኣዝዮም ከበድቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ንኽረኽቡን ማ/ሰብ ዓለምን ኣደራደርቲ ኣካላትን ኣብ ልዕሊ ምንግስቲ ፌደራል ፅዕንቶ ክፈጥሩ ይግባእ ኢሎም።

ሓይልታት ፅንተት ፆታዊ መጭቃዕቲ ከም መሳርሒ ዂናት ዝተጠቀምሉ ጀኖሳይዳዊ ዂናት ትግራይ ኣብ ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓታትነት ንክረጋገፅን ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ንክረኽባን  ትካል ዩኤን ተወካሊ ጉዳይ ደቂ ኣንሰትዮ ይሰርሕ ከምዘለው ዝገለፁ ተወካሊ እቲ ትካል ኣይተ ፀሃየ ወ/ጀወርግስ እዮም።

     ብምዕራፍ ገ/ፃዲቕ