Home ዜና  መገሻ ዓዲ-ኩናማ፤መንገዲ ኣርሆ፣ገዳም ኣሲራ መቲራ ዝብሉን ካልኦትን ዓበይቲ ሰነዳዊ ፊልምታት ብምስራሕ ዝፍለጥ...

 መገሻ ዓዲ-ኩናማ፤መንገዲ ኣርሆ፣ገዳም ኣሲራ መቲራ ዝብሉን ካልኦትን ዓበይቲ ሰነዳዊ ፊልምታት ብምስራሕ ዝፍለጥ ነባር ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ብዝሓደሮ ሕማም ሕዳር 26-2016 ዓ/ም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ፡፡

679

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ኣብ ቴሌቭዥን ትግራይን  ቴሌቭዥን ኢትዮጵያ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝሰርሐ ኮይኑ ዘይሃስሱን ዓበይቲ ማሕበራዊን ቁጠባዉን ታሪኻዊን ሓድግታት ዝድህስሱ ሰነዳዊ ፍልምታት ብምስራሕ ዝፍለጥ ብዓል ዉሕሉል ሞያ ጋዘጠኝነት ኮይኑ ሓሊፉ እዩ፡፡

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ካብ ጀማሪ ጋዜጠኛ ክሳብ ላዕለዋይ መሪሒነት ሚድያ ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ፡፡

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ካብ ሞያ ጋዜጠኝነት ብተዘማዲ ጉዕዞ ዕቤት ሚድያ እዛ ዓዲ ዝሐሸ ክብርን ወደሳን ዝረኸቡ ዓበይቲ ሰነዳዊ ፊልምታትን መድርኻትን ዳይሬክት ዝገበረን ብዉፍይነት እዉን ዝኣለየ ምስጉን ጋዜጠኛ ነይሩ፡፡

ዕጡቓት ሰንበት፤ዕጣን ዘሮ፤ገዳም ኣሲራ መቲራ፤መገሻ ዓዲ ኩናማን መንገዲ ኣርሆን ቀያሕቲ እምባታት ዝብሉ ታሪኻዊ፤ማሕበራዊ፤ቁጠባዊን ባህላዊን ክብርታት ህዝቢ ትግራይን ዓፋርን ዝድህስሱ ዕምቆትን ፍልጠትን ዘለዎም ዓበይቲ ሰነዳዊ ፍልምታት ካብ ዝሰርሖም ስራሕቱ እቶም ብዋናነት ዝጥቀሱ እዮም፡፡

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ መሳርሕቱ ብዓቕሚ ብሞያ ብኽእለትን ብፍልጠትን ንምብቃዕ ዝሰርሐን ብመሳርሕቱ ክብርን ናእዳን ዝረኸበ ጋዜጠኛ ነይሩ፡፡

  ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ካብ ኮተቤ መምህራን ኮሌጅ ድፕሎማ፤ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብሞያ ጋዜጠኝነት ቀዳማይ ድግሪ፤ካብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ብስነ-ፅሑፍን ብመፅናዕቲ ቋንቋታት ወፃኢ ካልኣይ ድግሪ ዝረኸበ ስሙይ ጋዜጠኛን ንኽብሪ ህዝቡን ዓዱን ብሞያኡ ዘገልገለ ወዲ-ህዝቢ ነይሩ፡፡

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ሕዳር 27/2016 ዓ/ም ፈተዉቱ ኣዝማዱን ናይ ሞያ መሳርሕቱን መሓዙቱን ኣብ ዝትረኸብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ቤተ-ክርስትያን ማርያም ጉግሳ   ተፈፅሙ፡፡

ቴሌቭዥን ትግራይ ንስድራ ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ፤መሳርሕቱን መሓዝቱን ምፅንዕናዕ ይምነ፡፡

ብኣብሪሃ ካሕሳይ