Home ዜና መግለፂ ማእኸላይ ኮማንድ

መግለፂ ማእኸላይ ኮማንድ

944

ፀላኢ ብተደጋጋሚ ንዘቕረብናሉ ፃውዒት ሰላም ረጊፁ ዕላዊ ወራር ካብ ዝጅምር እነሆ ወርሕን ፈረቓን ገይሩ ኣሎ። ካብ መሰረታዊ እምነትናን ፅኑዕ መትከልናን ዝብገስ ንሰላም ቀዳምነት ሂብና ዝካኣል ፃዕሪ እናገበርና ፀኒሕና ኢና።

እንተኾነ ግን ኹናትን ህልቂትን ከምብሕታዊ መማረፂ ዝወስዱ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ሰላማዊ መፍትሒ ነፂጎም ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምፅናትን ንምጥፋእን ኩሉ ዓቕሞም ተጠቒሞም ይረባረቡ ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ክሃልቅ ብኹሉ መእተውን መውፅኢን ዓፅዮም ዝብላዕን ዝስተን ስኢኑ ክበርስ እናገበሩ ድሕሪ ምፅናሕ “ሕዚ ተዳኺሞም እዮም፥ ወታደራዊ ሓይሊ የዋፅአና እዩ” ኢሎም ኣብዝኣመኑሉ እዋን ዕላዊ ወራር ጀሚሮም።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብኣንፈት ደቡብ ከም ዋና መጥቅዒ ኣንፈት ተጠቒሞም መቐለ ንምቁፅፃር ዝካኣሎም ክገብሩ ፀኒሖም። ድሕሪኡ እውን ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩሉ ዓቕሚ ሒዞም ስፍሓትን መጠንን እቲ ወራር ብኹሉ ኣንፈት ክኸውን ገይሮም ኣለዉ። ኣብዚ ብዓይነቱ ዝተፈለየ ገፊሕ ወራርን ህዝቢ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ወፍሪን ከም ህዝቢ ህልውናና ንምርግጋፅ ክንብል ዘይኽበስ ፅኑዕ መኸተን ቃልስን ንገብር ኣለና።

ፀላኢ ብደቡብ ግንባር ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ኣምኪንና ብፀረ መጥቃዕቲ ዓብይ ሓይሊ ደርዒምና ሰፋሕቲ ከባብታት ኣምሓራ ተቖፃፂርና ፀኒሕና ኢና። ፀላኢ ነዚ ግንባር ንምቁፅፃር ተደጋጋሚ ፈተና እናገበረ እንተፀንሐ እውን ዕንወቱን ስዕረቱን ክዓሙቕ ካብ ምግባር ወፃኢ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ከምፅእ ኣይከኣለን። በዚ ከባቢ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ወቒዕና ተገዲድና ናብ ኣምሓራ ከባቢ ዝኣተና መሬት ኣምሓራ ንምሓዝ ኣይነበረን።

ኣብ ዝጥዕምን ዝመረፅናዮ ቦታን ጊዜን ፀላኢ ንምውቃዕ እምበር መሬት ኣምሓራ ማእኸል ዓውደ ውግእ ንምግባር እውን ኣይነበረን። ናይ ፀላኢ ዓቕምታት ኣዳኺምና ከይፈተወ ናብ መኣዲ ሰላምን ዘተን ንምምፃእ ኢልና ዝኣተናዮ እዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር ፀላኢ ናይ ሰላምን ዘተን መማረፂ ብተግባር ተሓሲሙዎ ኣሎ።

ፀላኢ ሕልሙ ብሓይልን ኲናትን ከፈፅም መሊኡ ይረባረብ ኣሎ። ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መምርሒን ትእዛዝን ተቐቢሉ ሃፍትን ሓይሊ ሰብን ኢትዮጵያ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣረኪቡ ዝተብሃሎ ጥራሕ እናፈፀመ ህዝቢ ትግራይ ንምብራስ ለይትን ቀትርን ይሰርሕ ኣሎ።

ነቲ ህሉው ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታውን ኣብ ሃለዋትና ኣንፀላልዩ ዘሎ ልፍንታዊ ወራር ብዘተኣማምን መልክዕ ንምትሓዝ ዘኽእለና ናይ ቦታን ኣንፈትን ምምሕያሽ ኣድላይ ኮይኑ ኣሎ። በዚ መሰረት ብኣንፈት ደቡብ ኣቲናዮ ካብ ዝነበርና ናይ ኣምሓራ ከባቢታት ወፂና ናይ ቦታ ምምሕያሽ ገይርና ኣለና። ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ሰራዊትና እዚ ውሳነ ተግባራዊ እናገበረ ፀኒሑ ኣሎ። እዚ ካብ ውግእ ወፃኢ ብናይ ባዕልትና ተበግሶን ውሳነን ዝተፈፀመ ጥራሕ እዩ።

እዚ ብተደጋጋሚ ዝተድዓኸ ሓይሊ ፀላኢ በዚ ግንባር ተመሳሳሊ ፈተነ ዝገብር እንተኾይኑ ግን ኣብ ዝኾነ እዋን ብዝጥዕም ኣንፈትን ቦታን ንህልውናና ክንብል ተመሊስና ክንኣቱ ከምንኽእል ክፍለጥ ይግባእ።

ህልውናና ውሕስ ንምግባር ነካይዶ ዘለና ፍትሓዊ ቃልሲን መኸተን ክዕወት እዩ።

ሃለዋትናን ድሕንነትና ብቕልፅምና!

ትግራይ ትስዕር!

ማእኸላይ ኮማንድ!

22 መስከረም 2015 ዓ.ም መቐለ