Home ዜና ዝጀመርዎ ሰላማዊ ቃልሲ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ሰለስተ ተናሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ...

ዝጀመርዎ ሰላማዊ ቃልሲ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ሰለስተ ተናሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጦም።

931

‘ኪዳን ንሱር በቆስ ለውጢ’ ኢሎም ዝንቀሳቀሱ ዘለውሰለስተ ውድባት ትግራይ ፣ውድብ ነፃነት ትግራይ ፣ውድብ ሳልሳይ ወያነን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና) ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ምእንተ ትግራይ ኢሎም ዝተሰውኡ ጀጋኑ ተጋደልቲ ልዑል ክብሪ ኣለና ፤ ንስድራ ስውኣት ድማ ፅንዓት ንምነ ክብሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ እተን ውድባት ገሊፆም።

ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ዝተቖፃፀርዎ ግዝኣት ትግራይ ቅድመ ፈተነ ሪፈረንደም ይካየድ ብምህላው ጠጠው ኢሉ ብህፁፅ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክትግበር ይግባእ ክብሉ እቶም ሓለፍቲ ሓቢሮም።

ዋላኳ መንግስቲ ኣፍልጦ ኣይሃቦም ኣብ ዝሓለፈ ጳጉሜን ክልተ 2015 ዓ/ም ኣብ ዝፀውዕዎ ሰልፊ ብኣካላት ፀጥታ ዝተወሰደ ስጉምቲ ስርዓት ዲሞክራስን ልዕልነት ሕጊ ዝጥሕስ ከምዝኾነ ኣመራርሓ እተን ውድባት ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዘለው ዓመቕቲ ፀገማት ብሰላማዊ ቃልሲ ጥራሕ ክፍትሑ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ኣመራርሓ አብ ሱርበቆስ ለውጢ ዘይኮነ ትርጉም ብምሃብ ዝተገበረ ኣካይዳ እውን ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ዝተዋደደ ኩለ መዳይ ቃልሲ ከምዝገብር ድማ እቶም ሓለፍቲ ኣረዲኦም።

ብጎይትኦም ተኸስተ