Home ዜና መግለፂ ሰናይ ትምኒት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

መግለፂ ሰናይ ትምኒት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

487

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ፣ ንሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ ንጀጋኑ ዉጉኣትን ጉዱኣት ኣካልን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንዘሎ ዲያስፖራ ትግራይን ፈተውትን ደገፍትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ኣብፅሓኩም ኣብፅሓና ይብል።

እዚ ሓዱሽ ዓመት እንትንቕበል ከምቲ ንቡር ብሓጎስን ፍስሃን ዘይኮነስ ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ብፅንዓት ብምምካት ሃለዋትና ንምርግጋፅ ንዝኸፈልናዮ ክቡር መስዋእቲ ልዑል ክብሪ ብምሃብ፣ ኣብዚ ከይዲ ካብ ዝገጠመና ኩሉ ዓይነት ሃስያ ንምድሓን ኩለመዳያዊ ርብርብ ንምግባርን ንምውፋርን ኢደይ ኢድካ ኢልና እንሓብረሉን፣ ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ንምምላስ ዝተማልአ ቃልሲ ንምክያድ ቃልና ነሐድሰሉ፣ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስና ብምሕያል ኣብ ኢድ ፀላእቲ ዘሎ ህዝብናን መሬትናን ሓራ ንምውፃእ ዓቕምታትና ወዲብና ንምቅላስ ብሓዱሽ ትልምን ብሓዱሽ ወነን ንክንዋፈር ድሉውነትና ብምርግጋፅ እዩ።

ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ኩሎም ዓቕምታትና ወዲብና ብምውፋር ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስና ብምሕያል ሰላምና ውሑስ ንምግባር እንረባረበሉ፣ ንህዝብና ዘንፀርፀሩ ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር ብመሰረቱ ንምፍታሕን ድልየት ህዝብና ንምምላእን እንሰርሓሉ፣ ኣብ ፍትሒ ዝርኣዩ ጉድለታት ብምእራም መስርሕ ተሓታትነት እነረጋግፀሉ፣ ኣብ መሬት ትግራይ ዘለዉ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ተፀራሪጎም ንክወፅኡን ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ንምምላስን ዝተማልአ ቃልሲ እነካይደሉ፣ ዓቕሚ ክንዲ ዝፈቐዶ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት እንጅምረሉ እውን እዩ።

ብድማር ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝተማልአ ብርኪ ንክፍፀምን ሕገ መንግስታዊ መሰላት ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ዝተወደበ ቃልሲ ንምክያድ ካብ ብጉሓቱ ተረዲእና እንወፍረሉን ዓመት ክኸውን እዩ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝባኸነ ግዜ ብዘከሓሕስ መልክዑ ርኡይ ለውጢ ንምምፃእ ከም ዝሰርሕ እውን በዚ ኣጋጣሚ ከረጋግፅ ይፎቱ።ህዝብና እውን ነናይ ከባቢኡ ሰላም ንምሕላው ዝተወደበ ምንቅስቓስ ክገብርን መሓውር ፀጥታ ኣብ ዝገብርዎ ርብርብ ኣብ ጎኖም ኮይኑ እኹል ደገፍ ክህብን ይግባእ።

ህዝብና ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ከቢድ ኩነታት ንክወፅእ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ትግራዋይን ደጋፊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ሓሳባቱ፣ ፍልጠቱ፣ ግዜኡ፣ ጉልብቱን ሃፍቱን ኣተሓባቢሩ ብሓደ መንፈስ ሰሚሩ ንክረባረብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ።ኣቲናዮ ዘለና ምዕራፍ ተደጋጊፍካ፣ እሂን ምሂን ኢልካን ተዋዲድካን እምበር ካብዚ ወፃኢ ብዘለው መንገድታት ከይድኻ ዝውፃእን ዘዋፅእን ስለዘይኮነ ኩሉ ትግራዋይ ፖለቲካዊ ኣሰላልፍኡ፣ ማሕበራዊ መሰረቱ፣ ሃይማኖቱ፣ ሞያኡ፣ ዝነብረሉ ከባቢ ወዘተ. ዝፈጥሮ ኣፈላላይ ንጎኒ ኣፅኒሑ ህልውና፣ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ኣዝዩ ፈታኒን ዝተሓላለኸን ቃልሲ እጃሙ ከወፊ ይግባእ።

ርሑስ ሓዱሽ ዓመት 2016 !ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ