Home ዜና መግለፂ ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ

መግለፂ ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ

412
0

ዓለም ለኸ ትካላት ተራድኦ ናብ ትግራይ ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግም ከጀምረኦ ከም ዝግባእ ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ፀዊዑ። ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ትካላት ተራድኦ ናብ ትግራይ ዝገብረኦ ዝነበራ ሓገዝ ጠጠዉ ምባለን ከም ዘተሓሳሰቦን ብቱኽረት ይከታተሎን ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ፅጉማት ህዝቢ ዘሎ ኣሰቃቒ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ቤት ምኽሪ ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ከም መትከል ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ህፁፅ ድጋፍ ምግቢ ኣብ ዘድልዮም ኩነታትን ቀፃሊ ምቁራፅ እቲ ሓገዝ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ስለ ዝዛይድ እቶም ትካላት ተራድኦ ነቲ ሓገዝ ቀልጣፎም ከጀምርዎ ከም ዘለዎም ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ።

ነቲ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ጉሕለት ሰብኣዊ ሓገዝ ጉዳይ ምርመራን ተሓታትነትን ጎናጎኒ ምፍፃም ስለዝከኣል ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ፀገም ኣብ ግምት ብምእታዉ ኤጄንሲ ምግብን ሕርሻን ዓለምን ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካን ዘቕርብዎ ዝነበሩ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከይተቋረፀ ክካየድ ከምዝኽእል ብትሪ ከም ዝኣምን ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ።

መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ድማ ነቲ ጉዳይ ብሓላፍነት ክምርምሩን ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባራት ፈፀምቲ ናይ ተሓታትነት መስርሕ ተተኺሉ ግቡእ ስጉምትታት ክውሰድ ፃውዒት ከቕርብ ይፈቱ ኢሉ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መግለፂኡ። ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝተፀገሙ ወገናት ምግብን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛትን ዳግም ንምጅማር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ እጃሙ ከም ዝሰርሕን ከም ዝድግፍን ኣፍሊጡ።

Previous articleህዝብን ምምሕዳርን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 18 ሚልዮን ብር ዝግመት 1500 ኩንታል ምሩፅ ዘርእን ዝተፈላለዩ ናዉቲ ሕርሻ ንትግራይ ሓጊዙ።
Next articleኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ትግራዋይ ፀንቂቕካ ብምጥቃም ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና ። – ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ