Home ዜና መግለፂ ቦርድ ሕብረት ወንጌላዉያን ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ

መግለፂ ቦርድ ሕብረት ወንጌላዉያን ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ

528

ቦርድ ሕብረት ወንጌላዉያን ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ምዕራብ፣ደቡብ፣ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝምልከቶም ኣካላት ቀልጡፍ ፍታሕ ከቐምጡ ፀዊዑ።

ሕብረት ወንጌላዉያን ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ ካብ ለካቲት 2014 ዓ/ም ጀሚሩ ምስ ፌዴራል ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ኢትዮጵያ ዝነበሮ ምምሕዳራዊ ርክባት ከም ዝበተኸ ይፍለጥ ኢሉ ኣብ መግለፂኡ።

በዚ መሰረት ቦርድ ኣመራርሓ ሕብረት ወንጌላዊያን ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ ካብ 10 ክሳብ 11 ግንቦት 2015 ዓ/ም ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ሐዚ እዉን እቲ ዉሳነ ፀኒዑ ክኸይድ ዉሳነና ምዃኑ እናፍለጥና በዚ መሰረት ድማ ምምሕዳራዊ ስራሕቲ እናተመዓራረየን እናተስተኻኸለን ይኸይድ ከም ዘሎ ክንሕብር ንፈቱ ኢሉ እቲ ብርድ ኣብ መግለፂኡ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኣባላትና እዚ ቅዋምና ፈሊጥኩም ኣብ ጎንና ደዉ ክትብሉን ክትድግፉናን ብፍቕሪ እግዚአብሔር ንዕድም ኢሉ ቦርድ ሕብረት ወንጌላዉያን ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ።ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ወሪሮም ሒዞም ዘለዉ ወረርቲ ሓይልታት ቀልጢፎም ክወፁን ብሰንኮም ካብ ምዕራብ፣ ደቡብ፣ሰሜን ምዕራብን ምብራቕን ትግራይ ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝምልከቶም ኣካላት ቀልጡፍ ፍታሕ ከቐምጡ ፀዊዑ።