Home ዜና ውሽጢ ዓዲ መግለፂ ውድብ ዓረና

መግለፂ ውድብ ዓረና

67

ኣብ ትግራይ ዝረአዩ ዘለዉ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብቕልጡፍ ስርዓት ክሕዙ ውድብ ዓረና ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ፀዊዑ፡፡

ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ዘይተለመደ ገበን ጭውያን መቅተልትን ደቂ ኣንስትዮን ደው ክብልን እቶም ገበን ዝፍፅሙ ዘለው ኣካላት ድማ ተሓተቲ ኮኾኑን ብምግባር ሰለማውያን ሰባት ብሰላም ወፂኦም ብሰላም ዝኣትዉሉ ኩነታት ክፍጠር ከምዝግባእ ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሰ ገሊፁ፡፡

ትግራይ ዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሰኣን ግቡእ ኣጠቓቕማ፣ መናእሰይ ንዘይሕጋዊ ስደት ተቃሊዖም ኣደዳ ሞትን ስቃይን ይኾኑ ኣለው ዝበለ ውድብ ዓረና፣ ዝረአ ዘሎ ምጉሕጋሕ መዓድናት ስርዓት ብዘለዎ ምሕደራን መናእሰይ ተረባሕቲ ብዝገብርን መልክዕ ክሕዝ ይግባእ ኢሉ፡፡

ኣግባብ ዘይብሉ ውራ መሬት ጠጠው ክብልን ንጉድኣት ኣካልን ስድራ ስውኣትን ቆላሕታ ክግበረሎም ከምዝግባእን እውን ውድብ ዓረና ኣመላኺቱ፡፡

ንረብሓ ትግራይ ምስ ኣብ ትግራይ ዘለው መሓዙት ፖሎቲካ ውድባትን ካልኦት ጎረባብቲ ህዝቢ ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ውድብ ዓረና ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣነፂሩ፡፡

#ብኣስቴር _ገ/ስሉስ