Home ስፖርት ሙሉ ክንፈ ኣብ Vuelta Asturias

ሙሉ ክንፈ ኣብ Vuelta Asturias

213

ትግራዋይ ተቐዳዳማይ ብሽክሌታ ሙሉ ክንፈ ዕለተ ዓርቢ ኣብ ዝጅመር ቅድድም ብሽክሌታ Vuelta Asturias 2024 ክሳተፍ እዩ።ኣብቲ ኣብ ሰፔን ዝሳለጥ ቅድድም ብሽክሌታ እትሳተፍ ጋንታ ብሽክሌታ ኻራ ሩራል ኣብቲ ውድድር ዝውክልዋ ሸውዓተ ተቐዳደምቲ ዕላዊ እንትትገብር ንሙሉ ክንፈ ሓደ ብምግባር ሓሪያቶ ኣላ።

ዕለተ ዓርቢ ብምጅማር ሰንበት ሚያዝያ 20/2016 ዓ/ም መፈፀምታ ዝረክብ Voulta Asturias ብሓፈሻ 491 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ክሽፍን እዩ።ኣብቲ ውድድር 16 ጋንታታት ብሽክሌታ ዝውክሉ 97 ተቐዳደምቲ ክሳተፉ እዬም።

ኣብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓዊያን 2023 ኣብ ቱር ሩዋንዳን ቱር ዲ ስሎቫኪያ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ውድድራት ብምስታፍ ዝሰመረ ግዘ ዘሕለፈ ሙሉ ክንፈ ብፍላይ ኣብ ቀደማይ መድረኽ ቱር ዲ ስሎቫክያ ካልኣይ ደረጃ ብምምዝጋብ ብሓፈሻዊ ውፅኢት ድማ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ዛዚሙ ምንባሩ ይዝከር።

#ክብሮም ተስፋይ