Home ዜና ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ፈላማይ ዓለም ለኻዊ ሽልማት ፀረ ዓሌታዊነትን ፅልኣት ሂቡ፡፡

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ፈላማይ ዓለም ለኻዊ ሽልማት ፀረ ዓሌታዊነትን ፅልኣት ሂቡ፡፡

641

መንነትን ክብርን ማሕበረሰቦም ንምሕላው ልዑል ግደ ዝተፃወቱ 6 ዓለም ለኻዊያን ኣንቃሕቲ ማሕበረሰባትን ሓለፍቲ ሲቪክ ማሕበራትን ፈላማይ ኣፍልጦን ሽልማት ሜዳሊያን ከም ዝሃበ  ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ጀይ ብሊንከን ንፈለማ እዋን ሽልማት ፀረ-ዓሌትነትን ፅልኢን ሽልማት ምሃቦም ስቴት ዴፓርትመንት ኣፍሊጡ፡፡ ንሽልማት ዝተሓርዩ ኣባላት ኣብ ዓለም ለኻዊ ሲቪል ማሕበራት ርኡይ ብፅሒት ዝፃወቱ ምዃኖም ድማ መግለፂ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍልጦ ሂቡ፡፡

ዝውክልዎ ማሕበረሰብ ብዓሌታዊነትን ፅልኣትን ካብ ዝበፅሖ መጉዳእቲ ተኸላኺሎም ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ሓድነት ክህንፅ መትከላዊ ቃልሲ ክገብሩ ዝፀንሑ ነቲ ኣፍልጦን ሽልማትን ዝተቐበሉ  እቶም ኣብነታዊያን መራሕቲ፤ ቋንቋን ባህሊን ህዝቦም ካብ መንግስታት ዓዶምን ባዕዳዊያንን ንምክልኻል ዝገበርዎ ፃዕሪ ነዚ ዓለም ለኸ ሽልማት ኣብቂዕዎም ኣሎ፡፡

ብደረጃ ዓለም ምስ ዝተኸበረ መዓልቲ ነባራት ህዝቢ ተተሓሒዙ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሽልማትን ኣፍልጦን ዝተውሃቦም 6 ኣብነታዊያን መራሕቲን ኣንቃሕቲን ማሕበረሰብ፤ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰቦም ንዝተዋደዱ ዓሌታዊነት፣ ፅልኢ፣ መድልዎን ስቓይን ብተግባር ብምቅላሶም ንሽልማት ከም ዝበቕዑ ተሓቢሩ፡፡

ነባር ማሕበረሰብ ብራዚል ኣብ ምዕቃብን መንነቶም ካብ ዘጥፍኡ ጎዳእቲ ተግባራት ኣብ ምክልኻልን ንነዊሕ እዋናት ዝተቓለሳ ተሸላሚት ካሪ ጓጃጂራ፤ ባህሊን መንነትን ደቀ ኣባት ኣማዞን ኣብ ምሕላው ልዑል ግደ ዝተፃወታ ኮይነን፤ ኦስዋልዶ ቢልባኦ ዝተብሃለ ፔራዊ ድማ ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ማሕበረሰብ ፔሩ ክበፅሕ ዝፀንሐ መድልዎ ንልዕሊ 40 ዓመት ብምቅላስ ካብ ጥፍኣት ዘድሓነ ምዃኑ ኣብቲ ስነ ስርዓት ተገሊፁ፡፡

ባንግላደሻዊት ራኒ ያን ያን፤ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ማሕበረሰብ ማርማን ደቀባትን ደቂ ኣንስትዮን ኮይና፤ ንሂወታ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣብ ዘውድቑ ኣጋጣሚታት ከይተረፈ፤ ማሕበረሰብ ማርማ ዓለም ለኻዊ ኣቓልቦ ክረክብ ከም ዝገበረትን ኣብነታዊት መራሒት ምዃናን መግለፂ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣመላኺቱ፡፡

መንግስቲ ባንግላዲሽ፤ ኣብ ልዕሊ ብሄረሰብ ማርማ ርኡይ ኣድልዎን ምዝማት መሬትን ብምክያድ፤ እቲ ማሕበረሰብ ብድርቂን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ክጥቃዕ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን፤ ንማሕበረሰባ ወኪላ ዓለም ለኻዊ ፅዕንቶ ብምፍጣር ፀረ ዓሌታዊነት ክትሽለም በቒዓ ኣላ፡፡

ዕድሚኣ ሙሉእ ማሕበረሰባ ብምውካል ኣብ ሃገራን ኣህጉራውን ትካላት ተቓሊሳ ርኡይ ለውጢ ከም ዘመዝገበትን ኣብ ጉዳይ ኩነታት ኣየርን ፆታዊ ማዕርነትን ኣወንታዊ ፅዕንቶ ከም ዘሕደረትን ዝተነገረላ ያን ያን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ባንግላዲሽ ንኽዓቢ ልዑል ግደ ከም ዝነበራ ምስክርነት ተዋሂቡዋ ኣሎ፡፡

ቱኒዚያዊት ሳዓድያ ሚስባሕን ኔፓላዊ ሳርዋቲ ኔፖሊን፤ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ማሕበረሰባት ክፀዓኑ ዝፀንሑ መንግስታዊ ጭቆናታት ብግልፂ ብምቅላስ፤ ኣብነታዊያን ኣንቃሕቲ ማሕበረሰብ ኮይኖም ከም ዝተሓረዩ ዝገለፀ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፤ ነቶም ማሕበረሰባዊ መራሕቲ ዓለምለኻውያን ክብል ፀዊዕዎም፡፡  

ሞልዶቫዊት ቪክቶሪና ሉካ፤ ሞልዶቫዊ ሮማ ዝተብሃሉ ማሕበረሰብ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ክህልዎን፤ ቋንቋ ሞልዶቫ ንኽስፋሕፋሕን ከም ዝሰርሐት ዝተነገረላ ኮይኑ፤ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈፀመቶ ወራር ስዒቡ ቋንቋ ሞልዶቫ ሮማ ብራሻዊያን ከይወሓጥ ልዑል ግደ ከም ዝተፃወተት ዘረጋገፀ መግለፂ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፤ እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ባንኪ ዓለምን ሕብረት ኣውሮፓን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊያን ትካላት ተፈላጢነት ክህልዎ ከምዝገበረት ጠቒሱ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ