Home ዜና ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብምሉእነት ክትግበር ኣትሓሳሲቦም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብምሉእነት ክትግበር ኣትሓሳሲቦም፡፡

508

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ከይዲ ምዕባለ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ዘትዮም። እቶም ዋና ፀሓፊ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ኢሉ እውኔዠን ኢትዮጵያ ተቛሪፁ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ኣብ ዝጅመረሉ እዉን ከም ዝዝተዩ ወሃቢ ቃል ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማት ሚለር ኣፍሊጦም።

ብዕለት 28 ሓምለ ክልቲኦም ኣካላት ብቴሌፎን ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተብፅሐ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ዛጊድ ዘሎ ከይዲ ኣፈፃፅምኡን ኣመልኪቱ ብስፍሓት ዝዘተዩ እንትኾኑ እቲ ስምምዕነት ሰላም ብምሉእነት ክትግበር ከምዘለዎ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓቢሮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶን ብሊንከን ከምዝበልዎ ተቛሪፁ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ጥቡቕ መስርሕ ክትትትል ብምትእትታው ቀልጢፍካ ክጅመር ከምዝግባእ ምሕባሮም ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትር ማት ሚለር ኣብ ዘውፅእዎ ሓበሬታ ኣመለኺቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ጎንፂ ሰግኣት ከምዝፈጠረሎም ዝገለፁ ብሊንከን ዝተረጋገአት ኢትዮጵያን ምብራቕ ኣፍሪቃን ክትህሉ መንግስቲ ኣሜሪካ ደገፍ ከምዝገብር ምግላፆም እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ ኣሎ። ብወይኣንተ ብዙነህ