Home ዜና ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሕፅረት ስነ-መዓዛ ምግቢ ኣብ ምቕራፍን ኣብ ህንፀት ወለዶን ትኹረት...

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሕፅረት ስነ-መዓዛ ምግቢ ኣብ ምቕራፍን ኣብ ህንፀት ወለዶን ትኹረት ገይራ ከምትሰርሕ ኣፍሊጣ።

929

ህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ኣብ ዝተቓለዐሉ እዋን ቅድሚ 34 ዓመት ብ1981 ዓ/ም ዝተመስረተት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብቲ ከቢድ እዋን ህዝቢ ኣብ ምድሓን ከምዝሰርሐትን ቀፂላ ድማ ማሕበረ ቁጠባዊ ብርኪ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምብራኽ ናይ ባዕላ ግደ እናበርከተት ከምዝመፀት ቅንያት ምስረታኣ ምኽንያት ብምግባር ገሊፃ።

ዛጊድ 715 ኣብያተ ትምህርትን 83 ትካላት ጥዕናን ሃኒፃ ንህዝቢ ትግራይ ዘረከበት እታ ማሕበር ብፍላይ ኣብ ህንፀት ዘፈር ጥዕናን ትምህርትን ትግራይ ዓብይ ዕማም ከምዘበርከተት ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልዓት ትግራይ ዶ/ር ተስፋሁነይ ሃይለማርያም ኣፍሊጦም።

ንቐፃሊ ጎና ጎኒ ህንፀት ዝዓነው ትካላት ትግራይ ዝተጎድእ ስነ-ልቦና ትግራዋይ ኣብ ምድሓንን ኢሉ እውን ኣጋጢሙ ዘሎ ሰፈሕ ስእነት ስነ-መዓዛዊ ምግቢ ኣብ ምቕራፍን ብዕቱብ ከምትሰርሕ እቶም ምኽትል ፈፃሚ ዳይረክተር ገሊፆም።      

እያሱ በርሀ ኣባይ