ህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ኣብ ዝተቓለዐሉ እዋን ቅድሚ 34 ዓመት ብ1981 ዓ/ም ዝተመስረተት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብቲ ከቢድ እዋን ህዝቢ ኣብ ምድሓን ከምዝሰርሐትን ቀፂላ ድማ ማሕበረ ቁጠባዊ ብርኪ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምብራኽ ናይ ባዕላ ግደ እናበርከተት ከምዝመፀት ቅንያት ምስረታኣ ምኽንያት ብምግባር ገሊፃ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/08/Screenshot-2023-08-11-163732.jpg)
ዛጊድ 715 ኣብያተ ትምህርትን 83 ትካላት ጥዕናን ሃኒፃ ንህዝቢ ትግራይ ዘረከበት እታ ማሕበር ብፍላይ ኣብ ህንፀት ዘፈር ጥዕናን ትምህርትን ትግራይ ዓብይ ዕማም ከምዘበርከተት ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልዓት ትግራይ ዶ/ር ተስፋሁነይ ሃይለማርያም ኣፍሊጦም።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/08/Screenshot-2023-08-11-163803.jpg)
ንቐፃሊ ጎና ጎኒ ህንፀት ዝዓነው ትካላት ትግራይ ዝተጎድእ ስነ-ልቦና ትግራዋይ ኣብ ምድሓንን ኢሉ እውን ኣጋጢሙ ዘሎ ሰፈሕ ስእነት ስነ-መዓዛዊ ምግቢ ኣብ ምቕራፍን ብዕቱብ ከምትሰርሕ እቶም ምኽትል ፈፃሚ ዳይረክተር ገሊፆም።
እያሱ በርሀ ኣባይ