Home ዜና ማሕበር መኸተ ትግራይ ዳያስፓራ ዓዲ እንግሊዝ ንጉድአት ኲናት ትግራይ ልዕሊ 3 ነጥቢ...

ማሕበር መኸተ ትግራይ ዳያስፓራ ዓዲ እንግሊዝ ንጉድአት ኲናት ትግራይ ልዕሊ 3 ነጥቢ 3ሚልዮን ብር ሓገዝ አበርኪታ።

744

—-

አብ ሃገረ እንግሊዝ ዝርከቡ ብመኸተ ትግራይ ዝተወደቡ ዲያስፖራ ትግራይ ነቶም ምእነተ ህዝቦም ረዚን ዋጋ መቁሰልቲ ዝኸፈሉ አባላት ሰራዊት ትግራይ ንአካላዊ ተሃድሶ ዝውዕል ብማሕበር ጉድአት ኲናት ትግራይ ማእከል ኦርቶ ፊዚዮ ትራፒ አቢሎም ልዕሊ3 ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ብር ሓገዝ አበርኪቶም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ስራሕ መካየዲ ማእከል ኦርቶ ፊዝዮ ትራፒ አይተ ብርሃነ ጠዓመ አብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ዲያስፓራ ትግራይ ተወዲቦም ብሽም ማሕበርና ዝገበርዎ ሓገዝ አብ ሕውየት ሰነ ሉቦናን አካልን ልዑል ትርጉም ስለ ዘለዎ ክምስገኑ ይግባእ ኢሎም ። ዋና ፈፃሚ ሰራሕ ማሕበር ጉድአት ኲናት ትግራይ ተጋዳላይ ጨርቆስ ወለማርያም ምእንተ ህዝቦም ዋጋ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ጉድኣት ምሕጋዝ ሓላፍነት ኩሉ ትግራዋይ ፈታዊ ትግራይን ክኸውን ከምዝግባእ አተሓሳሲቦም።

ሓገዝ ዝተገበረሎም ጀጋኑ ጉድአት አባላት ሰራዊት ትግራይ ብወገኖም መላእ ህዝቢ ትግራይን ዲያስፖራትግራይን ኣብ ሕውየት ጉድአት ዝጀመሮ ስራሕቲ አጠናኪሩ ክቅፅለሉ ይግባእ ኢሎም።

#ብጎይተኦም ተከስተ