Home ዜና ማሕበር ኣክሲዮን ባንኪ ወጋገን ቅድሚ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጄኖሳይዳዊ ኵናት ልቓሕ ንዝወሰዱ...

ማሕበር ኣክሲዮን ባንኪ ወጋገን ቅድሚ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጄኖሳይዳዊ ኵናት ልቓሕ ንዝወሰዱ ዓማዊሉ 25 ሚኢታዊ ናይ ልቓሕ ወለድ ከም ዝነከየ ኣፍሊጡ።

941

ባንኪ ወጋገን ብስንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጄኖሳይዳዊ ወራር ልቓሕ ወሲዶም ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ንዝነበሩ ዓማዊሉ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብዘውፅኦ መምርሒ መሰረት 25 ሚኢታዊ ናይ ልቓሕ ወለድ ከምዝነከየሎም ኣፍሊጡ።

በቲ ዝተቐነሰ ወለድ ልቓሕ መሰረት ድማ ከባቢ 300 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት መጠን ወለድ ዓማዊል ባዕሉ እቲ ባንኪ ብምሽፋን ነቶም ቅድሚ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ልቓሕ ዝወሰዱ ዓማዊሉ ድማ 3 ዓመት ናይ መኽፈሊ ግዜ ሰለዳ ከምዘናውሐ ዳይሬክተር ባንኪ ወጋገን ድስትርክት መቐለ ኣይተ ሃፍቶም ገብረእግዚኣብሄር ሓቢሮም።

ባንኪ ወጋገን ኣብ ትግራይ ልዕሊ 11 ቢሊዮን ብር መጠን ዑቋርን 7 ቢልዮን ብር መጠን ልቓሕ ዓማዊልን ከም ዘለዎ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር ልዕሊ 1500 ዓማዊል እቲ ባንኪ ዝወሰድዎ ልቓሕ ወለዱ ጥራሕ ልዕሊ 970 ሚልዮን ብር ከምዝበፅሐን ካብዚ እቲ 25% ወለድ ልቓሕ ከምዝተሰረዘሎምን ሓቢሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ባንኪ ወጋገን ልቓሕ ንዝወሰዱ ዓማዊላቱ 6 ወርሒ ናይ እፎይታ ግዜ ከምዝሃበን ንወነንቲ ዓበይቲ ፋብሪካታትን ነጋዶን ንኹለመዳይ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ትግራይ ክበሃል ዕድል ልቓሕን ዕድል ሸርፊ ወፃእን ከምዝገብር ኣይተ ሃፎቶም ገብረእግዚኣብሄር ሓቢሮም።

እቲ ሕዚ ባንኪ ወጋገን ገይርዎ ዘሎ ምንካይ ወለድ ልቓሕን ምንዋሕ መኽፈሊ ግዜ ተለቃሕትን ቅድም ክብል ኵናት ኣብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ተግባራዊ ዝኾነ ኮይኑ እዚ ውሳነ ባንኪ ወጋገን ተሃሲዩ ንዘሎ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ትግራይን ህዝባን ብውሱን መልክዑ ከምዘንቀሳቕሶ ዳይሬክተር ባንኪ ወጋገን ዲስትርክት መቐለ ኣይተ ሃፎቶም ገብረእግዝኣብሄር ሓቢሮም።

ኣሸናፊ ዳርጌ