Home ዜና ማሕበር ኣክስዮን ኖርዝ ስታር፤ ትግራይ ኣብ ኣፍሪካ ማእኸል ስሕበት በረራ፣መጓዓዝያን ቱሪዝምን ንኽትኮን...

ማሕበር ኣክስዮን ኖርዝ ስታር፤ ትግራይ ኣብ ኣፍሪካ ማእኸል ስሕበት በረራ፣መጓዓዝያን ቱሪዝምን ንኽትኮን ይስራሕ ኣሎኹ ኢሉ።

897

ማሕበር ኣክስዮን ኖርዝ ስታር፤ ትግራይ ኣብ ኣፍሪካ ማእኸል ስሕበት በረራ፣መጓዓዝያን ቱሪዝምን ንኽትኮን ይስራሕ ኣሎ። ኣብ ምፍጣርን  ብቐፃልነት ከም ዝሰርሕ ምክትል ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣክስዮን ኖርዝ ስታር ኣይተ መኮነን በየነ ገሊፆም፡፡

መንገዲ ኣየር ኖርዝስታር ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን  ለካቲት 16,2020 ዝተጣየሸ  ትካል እንትኸውን  ትግራይ  ኣብ ኣፍሪካ ማእኸል ስሕበት በረራ፣ መጓዓዝያን ቱሪዝምን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ዓሊሙ ዝተጣየሸ ከም፡ዝኾነ ምክትል ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣክስዮን ኖርዝ ስታር  ኣይተ መኮነን በየነ ገሊፆም፡፡

ቁጠባ ትግራይ ኣብ ምንቕቓሕን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ኣብ ምርግጋፅን ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ ዝገለፁ ኣይተ መኮነን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ጨናፍራቱ ብምሰፍሕ ብቱኽረት ክሰርሕ እዩ ኢሎም፡፡

ትግራይ ንኣውሮፓ፣ማእኸላይ ምብራቕ ኣሜሪካን  ዝቐረበት ምዃናን ናይ ትምህርትን ስልጠናን በረራን ዕድል ሰራሕ ኣብ ምፍጣርን ረብሓ ከም ዘለዎን ምስዚ ጎና ጎኒ መሸጣ ኣክስዮን መጓዓዝያ ምድሪ ድማ ከም ዝጅምር ኣብሪሆም ፡፡

ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ዝፀንሐ ማሕበር ኣክስዮን ኖርዝ ስታር ለካቲት 2015 ሰርሑ ከም ዝጀመረን 20 ነሓሰ 2015 ዓም ኣብ ከተማ መቐለ ጠቕላላ ጉባኤ ከም ዘካየድ ዝገለፁ ኣይተ መኮነን በየነ ኣብቲ ጉባኤ ዝፈላለዩ ዛዕባታት፣ፀብፃባትን ውሳነታትን ከም ዝቐርቡ ገሊፆም፡፡

ብሃፍታይ ባህረ