Home ዜና ውሽጢ ዓዲ #ማሕበር ኩለመዳይ ህንፀት ማእኸለ ዕደጋ ኣሉላ

#ማሕበር ኩለመዳይ ህንፀት ማእኸለ ዕደጋ ኣሉላ

137

ማሕበር ኩለመዳይ ህንፀት ማእኸል ዕደጋ ኣሉላ 1ይ ጉባኤኣ ኣካይዳ ::

ማሕበር ኩለመዳይ ህንፀት ማእኸል ዕደጋ ኣሉላ ኣባላታ ተመለስቲ ሰራዊት ፣ ኣካል ጉድኣት ተጋደልትን ስድራ ስውኣትን እንትኾኑ ሕድሕድ ኣባል ኣብ ፀገም ኮይኑ ካብ ዘላቶ ሳንትም ኣዋፅኡ መነባብሮኡ ንምምሕያሽን ካብ ተፀባይነት ንምድሓንን ይሰርሑ ከምዘለዉ ይገልፁ ፡፡

ኣካል ጉድኣት ፣ ተመለስቲ ተጋደልትን ስድራ ስውኣትን ዓርሶም ክኢሎም ካብ ተፀባይነት ንምውፃእ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ስራሕቱ ኣብ ምድጋፍ ኩሉ እጃሙ ክፍፅም ድማ ኣባላት እታ ማሕበር ኣባላት ፀዊዖም።

እታ ማሕበር ዛጊድ 1500 ኣባላት ልዕሊ 31.5 ሚልዮን ብር ካፒታል ከምዘዋህለለት ዝገለፁ ኣቦወንበር እታ ማሕበር ተጋዳላይ ዳዊት ሃ/ስላሴ ኣባላት ዝሐሸ ኣታዊ ረኽቦም መነባብሮኦም ከመሓይሹ ይስራሕ ከምዘሎ ይገልፁ ፡፡

ብርክት ዝበሉ ፀገማት ዋላእኳ እንተሃለዉ ሓቦን ፅንዓትን እንተሃልዩ ዘይፍታሕ ፀገም የለን ዝበሉ ኣባላት እታ ማሕበር ካልኦት መናእሰይ እውን ካብ ተፀባይነትን ስደትን ወፅኦም ብውልቀን ውዳበን ኣብ ዓዶም ሰርሖም ክልወጡ ከምዝኽእሉ ኣሚኖም ናብ ልምዓት ክወፍሩ ይግባእ ኢሎም ፡፡

# ብበላይ _ሽፈራው