ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብልዕሊ 20 ሚልየን ብር ዝዓደጎም ናውቲ ሕክምና ንኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ኣረኪቡ።
ነቲ ናውቲ ሕክምና ዘረከቡ ኣብቲ ኢንስቲትዩት ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ህንፀት ዓቕሚ ብሄራዊ ላብራቶሪ ኣይተ ዳንኤል መለሰ ምምላእ ናውቲ ሕክምና እዚ ፈላማይ ዙር ምዃኑ ብምግላፅ ኣብ ዝቕፅል ድማ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ሓቢሮም


እቲ ርኽክብ ኣብ ዝሐለፈ ቕነ ብወገን ሚኒስተር ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ብዝኣተውኦ ቃል መሰረት ንኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ኣገደስቲ ዝኾኑ ናውቲ ላብራቶሪ ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ንፈለማ ግዜ ምምፀኦም ዝገለፁ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓየሎም ካሕሳይ ብሽም እቲ ትካልን ህዝቢ ትግራይን ዘለዎም ናእዳ ብምግላፅ እቶም ናውቲ ተቛሪፆም ዝፀንሑ ስራሕቲ ምርምር ጥዕና ንምጅማር ዘኽእሉ ምዃኖምን ሓቢሮም።


ብቐፃልነት ድማ ዝተጀመሩ ርክባት ዝያዳ ብምጥንኻርን ተቐራሪብካ ብምስራሕን ኩሎም ናውቲ ምርምር ዝማልእሉ ስራሕቲ ከምዝስራሕ ዶ/ር ሓየሎም ሓቢሮም። #ሃይለኪሮስ ወልዳይ