Home ዜና ምረቓ ዳግመ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ወረዳ እምባ ስነይቲ

ምረቓ ዳግመ ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ወረዳ እምባ ስነይቲ

286


ኣብ ወረዳ እምባሰነይቲ ከተማ ነበለት አብ መሰናድኦ ቤት ት/ቲ ጌታቸው ወልዱ :ኻልኣይ ቤት ት/ቲ እምባስነይትን ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት /ቲ ነበለትን ብልፍንታውያን ፀላእቲ ዝበፅሐን ዕንወት ብተወለድቲ ዓዲ ጌታቸው ወልዱን ብርሃነ ወልዱን ብ 15 ሚልዩን በር ወፃኢ ዳግም ተሃኒፀን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸዉ ረዳን ካልት አመራርሓን አብ ዝተረኸብሉ ተመሪቐን ።
ተወለድቲ ወረዳ እምባ ስነይቲ አይተ ጌታቸዉ ወልዱን ብርሀነ ወልዱን አብ ትምህርቲ ዝጀመርዎ ሓገዝ አብ ካልኦት ዉን ከመዝቕፅሉሉ ገሊፆም ።
ነተን አብያተ ትምህርቲ ዝመረቑ ፐረዚደነት ጌታቸዉ ረዳ እቶም ሰብ ሃፍቲ ብወረርቲ ሓይልታት ዝዓነዉ አብያተ ትምህርቲ ዳገመ ብምህናፅ ዝተምሃረ ዜጋ ንምናፅ ጀሚሮሞ ዘለዉ ሰናይ ተግባር ካልኦት ኣጠናኺሮም ክቐፅልሉ ከምዝግባእነ በወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ሰላምን ዳግመህንፀትን ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም።

ማሕበረ ሰብ ትምህርቲ ወረዳ እምባስነይቲ ብወገኖም በቶም ተወለድቲ ዓዲ ዝተገበረ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ዝነአድን ዝመስገን እዩ ኢሎም።
ብተመሳሳሊ ዜና እቶም ተወለድቲ ን2833 ዝተፀገሙ ነበርቲ እታ ወረዳን ተመዛበልቲን ብ 2 ሚልዩን ብር 425 ኩንታል አኽሊ ሓገዝ አበርኪቶም።