Home ዜና ምረቓ ፋብሪካ መፃረይን መዐሸግን ማይ ረዊና

ምረቓ ፋብሪካ መፃረይን መዐሸግን ማይ ረዊና

234

ብበዓልሃፍቲ ሃለቃ ክፍለማርያም ክንደያ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ዝተሃነፀ ፋብሪካ መፃረይን መዐሸግን መኣድን ማይ ረዊና ተመሪቑ፡፡

ኣብ 2012 ዓ/ም ብልዕሊ 400 ሚልየን ብር ወፃኢ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኣፅቢ ቁሸት ቤት ሓንሰ ህንፀቱ ዝጀመረ ፋብሪካ መፃረይን መዐሸግን መዓድን ማይ ረዊና ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስዒቡ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ብምጥቃም ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ህንፀቱ ተዛዚሙ ሎማዓንቲ 9 ሕዳር 2016 ዓ/ም ተመሪቑ፡፡

እዚ ተመሪቑ ዘሎ ፋብሪካ ኣብቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር እጃም ከምዘለዎን ብቐፃሊ ከምዚኦም ዓይነት ትካላት ልምዓት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም ኢሎም በዓል ሃፍቲ ሃለቃ ኪ/ማርያም ክንደያ፡፡ ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣፅቢ ኣይተ መዝገበ ግርማይ ወረዳ ኣፅቢ ንኢንቨስትመንትን ልምዓትን ምችውቲ ብምዃና ሰብ ሃፍቲ መዋእለ ንዋዮም ከዋፍሩ ፀዊዖም፡፡

ሓላፊ ካቢኔ ሴክሪተርያት እግሪ ምትካልን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ ተጋዳላይ ተኽላይ ኣሸብር ብወገኖም ብበዓል ሃፍቲ ሃለቃ ክፍለ ማርያም ክንደያ ዝተገበረ ህንፀት መንገድን ማይን ብምምስጋን ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝዓነወ ቁጠባ ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡

ብተወሳኺ ድማ በዓል ሃፍቲ ሃለቃ ክፍለማርያም ክንደያ ካብ ከተማ ኣፅቢ ናብ ኡሶት ዝወስድ መንገዲ ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር እናሃነፁ እንተኾን ን19 ስድራ ስውኣት ወረዳ ኣፅቢ ድማ ንነብሲ ወከፎም 3 ሸሕ ብር ሓገዝ ገይሮም፡፡

ሃፍታይ ባህረ