Home ዜና ምርግጋፅ ውሑስ ቁጠባን ፋይናንስን ንዳግመ ሕውየትን ልምዓትን ትግራይ

ምርግጋፅ ውሑስ ቁጠባን ፋይናንስን ንዳግመ ሕውየትን ልምዓትን ትግራይ

615

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ ሕብረተሰብ ገጡሙ ዘሎ ቁጠባዊ ፀገማት ንምፍታሕን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምርግጋፅን ኣብ ቁጠባን ፋይናንስን ብትኹረት ንምስራሕ ዓሊማ ኣመራርሓ መንግስቲን ሙሁራንን ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ዋዕላ ኣሳሊጣ ፡፡

ዳይሬክተር ቦርድ ኣመራርሓ እታ ማሕበር ወ/ሮ ዘነበች ፍስሃ ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለው ፋይናንሳዊ ፀገማት ንምፍታሕን ቁጠባዊ ማዕርነት ደቂ ኣንእስትዮ ትግራይ ንምርግጋፅን ዓሊማ ዝተመስረተት ከምዝኾነት ገሊፀን፡፡

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዉ ዕንወት ከምዝበፀሐ ዝሓበሩ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ሙሁራን ዳግመ ሕውየት ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምርግጋፅ ኣብ ዘፈር ቁጠባን ፋይናንስን ብትኹረት ምስራሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡ ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ትልሚ፣እቶትን ምሕደራ ሃፍቲን ዶ/ር ሓጎስ ጎዲፋይ ኣብ ቁጠባን ፋይናንስን እንዉግኖም ስራሕቲ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ኣሳልጦ ክህልዎ ኣገዳሲ ብምዃኑ ከም መንግስቲ ኣብ ቁጠባን ፋይናንስን ትግራይ ለውጢ ንምምፃእ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ንደቂ ኣነስትዮ ማእኸል ገይራ ንኹሉ ክፋል ሕብረተስብ ግልጋሎት እትህብ ትካል ከምዝኾነት ድማ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ፡፡

ብታደለ ዳኘው