Home ዜና
399

ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ሕዚ ወሪሩ ሒዝዎ ኣብዘሎ ከባቢታት ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ሰለማውያን ነበርቲ የሳቕን ይጨውን ከምዘሎ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

መቐለ፣ሚያዝያ 29/2015 ዓ.ም [ኤ.መ.ሓ.ት] ጣብያ ምሕቛንን ጣብያ ማይ ወዲ ዓምበራይን ዝበሃላ ክልተ ጣብያታት እቲ ወረዳ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትሕቲ እቲ ወራሪ ሰራዊት ከምዘለዋ ዝሓበሩ ሓላፊ ፀጥታ ምምሕዳር ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ መምህር ኣብርሃለይ ግርማይ ፣ ኣብ ዉሽጢ እዚ ወርሒ ጥራሕ ሓደ ቀሺ ዝርከብዎም 4 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተጨወዩን ክሳብ ሕዚ እዉን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን ኣፍሊጦም።

ብመሰረት ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ሰራዊት ምኽልኻል ሃገር ኢ/ያ ኣብ መረብ ካብ ዝኣቱ ልዕሊ ወርሒ እኳ ኣቑፂሩ እኳ እንተሃለወ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ግፍዕታት ሰራዊት ኤርትራ ክከላኸለሉ ከምዘይከኣለ ዝገለፁ መ/ር ኣብረሃለይ፣ መንግስቲ ኢ/ያ ሕዚ ዉን ዉሕስና ዜጋታት ናይምሕላው ግቡኡ ክዋፃእን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ካብ ወረርቲ ሓይልታት ነፃ ከዉፅእን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።ተወካሊ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ዓዲ ኣርባዕተ ኣይተ እንድርያስ ገ/ፃድቕ ብወገኖም፣ ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ሕዚ ኣብ ወረዳ ራማ ዓዲ 4ተ ምህላዉ ስዒቡ ኣብቲ ወረዳ ዳርጋ ኩሎም ማሕበራዊ ግልጋሎታት ክጅምሩ ከምዘይከኣሉ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ራማ ሓዊሱ ኣብ መላእ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ዝነበረ መሰረተ ልምዓት ሙሉእ ብሙሉእ ብሰራዊት ኤርትራ ከምዝዓነወ ዘዘኻኸሩ ኣይተ እንድርያስ፣ኣብታ ወረዳ ብዘይካ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ከም ስልኪ፣ባንኪ፣ፅሩይ ዝስተ ማይን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ክሳብ ሐዚ ብዘይም ጅማሮም ነባራይ እቲ ወረዳ ኣብ ከቢድ ማሕበራዉን ቁጠባዉን ፀገም ጥሒሉ ኣሎ ኢሎም። ኣይተ እንድርያስ ወሲኾም እቲ ዝፀንሐን ዘሎን ፀገም ክሳብ ክንድዚ ንክናዋሕ ዝገብር ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ክወፅእን ክሳብ ሕዚ ዘይተጀመሩን ዘይተፀገኑን ማሕበራዊ ግልጋሎታት ብቕልጡፍ ተፀጊኖም ግልጋሎት ክህቡ ክግበርን ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

#ተስፋዝጊ ዓስበይ