Home ዜና ምስዋርን ምእሳርን ኤርትራውያን ስደተኛታት

ምስዋርን ምእሳርን ኤርትራውያን ስደተኛታት

846

ኣብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ዝነብሩ ንማእሰርቲ ይሳጥሑ ምህላዎም ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ኣቃሊዑ፡፡

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዕቑባ ሓቲቶም ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም ክነሶም ብዘይ መስርሕ ፍርዲ ብኣስገዳድ እናተገፈፉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይውዕሉ ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡

እዞም ብኣማኢት ዝግመቱ ቆልዓን ሽማግለን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዘይምቹ ቦታታት ኣምሓራ ብሓይሊ ክሰፍሩ ይግበር ምህላው እቲ ጋዜጣ ኣፍሊጡ፡፡

ዜግነት ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዎ በረኽት ዝተባህለ ኤርትራዊ ንጋዜጣ ዘ ጋርድያን ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምስክር ካብ ሓደ ቤተክርስትያን በፂሖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኣትውሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ብሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ፤ እናተፈለዩ ተገፊፎም ናብ ካልእ ኣውቶቡስ ኣሳፊሮም ከምዝወሰድዎም ገሊፁ ፡፡

ላዕለዋይ ተፀዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ምዝጉባት ኤርትራውያን ከምዝተሰወሩ ዘገንዘበ ኮይኑ #ትግራይ ወሪሩ ዝኣተወ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ድማ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘስካሕክሕ ጅምላዊ መርሸንቲ ብምፍፃም ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ብምግባር ከምዝሰዎሮም እውን ሂዩማን ራይትስ ዎች ዕላዊ ምግባሩ ይፍለጥ፡፡

ብፀጋይ መኮነን