Home ሕርሻ ምቅላል ዓፀባን ጥሜትን

ምቅላል ዓፀባን ጥሜትን

1271

ሓረስቶት ወረዳ ማይ ቅነጣል ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ብምጉልባት ዓፀባን ጥሜትን ካብ ምቅላል ብተወሳኪ ጠንካራ ደጀን ሰራዊት ትግራይ ብምዃን ቓልስና ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና ኢሎም፡፡ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ኣብ 2013 ዓ.ም ሓረስታይ ትግራይ ሓሪሱ ኣለሳሊሱን ዝኣከቦ ምህርቱ፣ ንዓመታት ዘፍረዮ ሃፍቱን ጥሪቱን ወሪሮሙን ኣበላሽዮምን እዮም፡፡ ብፅፍሩ ብረሃፁን ሓርኮትኮት ኢሉ ንባዕሉ ክኢሉ ንካልእ ዝዕንግል ዝነበረ ሓረስታይ ትግራይ ሐዚ ግን ንባዕሉ ክእንግድ እኳ ጋዶ ኰይንዎ ኣብ ፀገም ይርከብ፡፡

ሓረስቶት ወረዳ ማይ ቅነጣል እዉን ንዓመታት ዘፍረይዎ ሃፍቶሙን ጥሪቶሙን ተወሪሩ ብፍላይ ድማ ብመስኖ ዘልምዕዎ ፍርያቶም በቶም ወረርቲ ሓይልታት ተወሲዱ ዝተረፈ ድማ ክቃፀል ከም ዝተገበረ ገሊፆም፡፡ይኹን እምበር ይብሉ ሓረስቶት ወረዳ ማይ ቅነጣል ፀላእትና ብጥሜትን ሕማምን ከህልቑና ዋላ እኳ ላሕ እንተበሉ ንሕና ግን ከይተንበርከኽና ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ተዋፊርና ጥሜትን ዓፀባን ህዝብና ንምቅላል ላዕልን ታሕትን ንብል ኣለና ኢሎም፡፡

ከም ኣገላልፃ እቶም ሓረስቶት ሐዚ እዉን እንተኾነ ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ሕፅረት ሙሩፅ ዘርኢ፣ ዘመናዊ ድኹዒ ኮታስ ኩሎም ዘመናዊ እታወታትን ንጀነሬተር ዝኸዉን ነዳዲን ሕፅረት እንተጋጠመና ካልኦት ከባብያዊ ፀጋታትን መፍትሕታትን ብምጥቃም ካብ ልምዓት ፈተኽ እንብለሉ ኩነታት የለን ኢሎም፡፡ብተወሳኺ እዉን ይብሉ እቶም ሓረስቶት ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ብሙጉልባት ዓፀባን ጥሜትን ካብ ምቅላል ብዝዘለለ ጠንካራ ደጀን ሰራዊትና ብምዃን ቓልስና ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና ኢሎም፡፡

ኣብ ወረዳ ማይ ቅነጣል መተሓባበሪ ዝራእትን ሆልቲ ካልቸርን ፍፁም ገብረ ሓረስቶት እታ ወረዳ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጠመ ዓፀባን ጥሜትን ከቃልል ዝኽእል ምህርቲ ንከፍርዩ ክትትልን ደገፍን ይግበር ከም ዘሎ ኣረዲኦም፡፡

ብህይወት ብርሃነ