Home ዜና ምብታን ፓርላማ ፈረንሳይ

ምብታን ፓርላማ ፈረንሳይ

57

ገዛኢ ውድብ ፈረንሳይ ኣብ ውድድር ፓርላማ ኣውሮፓ ብውድብ ብሄራዊ ራሊ ምስዓሩ ስዒቡ ፓርላማ ፈረንሳይ ከምዝተበተነ ፕረዝዳንት እታ ሃገር ኤማኑኤል ማክሮን ዕላዊ ገይሮም።

ፕረዝዳንት ኤማኑኤል ማክሮን ዕድል ኣባላት ፓርላማ ፈረንሳይ ዳግም ንህዝቢ ተዋሂቡ ኣሎ ክብሉ እውን ተሰሚዖም።

መራሒት ውድብ ብሄራዊ ራሊ ማሪን ለ ፔን፤ ኣብ መረፃ ፓርላማ ኣውሮፓ ልዑል ድምፂ ምርካበን ንህዝበን ዘመስገና ኮይነን፤ ንውሳነ ፕረዝዳንት ማክሮን ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን፡፡

ኣብ ፈረንሳይ 3 ጊዜ ንፕረዝዳንትነት ዝተነሓናሓ መራሒት ብሄራዊ ራሊ ማሪን ለ ፔን፤ ውድበን ንፓርላማ ኣውሮፓ ኣብ ዝገበሮ ውድድር፤ ብኤማኑኤል ማክሮን ካብ ዝምራሕ ገዛኢ ወድብ ዕፅፊ ድምፂ ብምርካብ ተቐባልነተን ኣዕቢየን ምህላወን ዩሮ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ፈረንሳይ ንኻልኣይ ዘመን ካብ ዝምረፁ ክልተ ዓመት ኣብ መሪሕነት ዝርከቡ ፕረዝዳንት ኤማኑኤል ማክሮን፤ ውድቦም ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዎ ውክልና ብብሄራዊ ራሊ ምምንጣሉ ኣሚኖም።

ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ ፤ ህዝቢ ድማ ኣብ ፓርላማ ኣውሮፓ ዝነበረና ወንበር ከልኪሉና ኣሎ ኢሎም፡፡

ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝሰኣንናዮ ድምፂ ምስ ፓርላማ ፈረንሳይ ዝህልዎ ርክብ ዝተተሓሓዘ እዩ ዝበሉ ፕረዝዳንት ማክሮን፤ ሕብረት ኣውሮፓ ዘውፀኦም ፖሊሲታት ኣብ ፈረንሳይ ንምትግባር መፀገሚ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ እቶም ጉዳያት ህዝባዊ ውሳነ ምእንታን ክረኸቡ መፃኢ 23 ሰነን 7 ሓምለን ብዝካየዱ ህዝበ ውሳነ ሓዱሽ ፓርላማ ከም ዝጣየሽ ኣፍሊጦም፡፡

ካብ 27 ሃገራትን ፓርቲታትን ዝተወከሉ 705 ኣባላት ካብ ዘለውዎ ሕብረት ኣውሮፓ፤ 81 ወናብር ዘለውዋ ፈረንሳይ፤ ነታ ሃገር ዝመርሕ ውድብ ንፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ተወዳደሩ 16 ሚእታዊ ድምፂ ጥራሕ ምርካቡ ኣብ ፈረንሳይ ፖሊሲ ለውጢ ከየስዕብ ስግኣት ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ፡፡

ፀረ ስደተኛታት ዝኾነ ውድብ ብሄራዊ ራሊ ልዕሊ 30 ሚኢታዊ ድምፂ ምርካቡ ኣብ ኣባል ሃገራት ኣውሮፓ ምዕንባብ የማናይ ወድብ ይርአ ምህላዉ ዘረጋግፅ ምዃኑ ፀብፃብ ዶች ዌሌ የማላኽት፡፡

#ብገብረዝጋብሄር_ሃይሉ