Home ዜና ምእሳርን ምግፋፍን ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ምእሳርን ምግፋፍን ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

897

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ደቂ ትግራይ ከም ብሓዱሽ ምግፋፍን ምእሳርን ከምዝጀመረን ንፖለቲካ ኸስቢ ይጥቀመሎም ከምዘሎን  ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም፡፡

 እቲ ጉጅለ ፋሽስት ምሩኻት ኲናት  ሒዘ ብምባል ምስ  ሽሾ ምሩኻት ሰራዊት ትግራይ ንመቀያየሪ ክጥቀመሎም ይሰርሕ ከምዘሎን ብፍላይ ስድራን ሓታትን ዘይብሎም ድማ ናበይ ከምዝስውሮም ከምዘይፍለጥ እቶም ነበርቲ ወሲኾም ሓቢሮም ፡፡

እቶም ነበርቲ ብዓለም ለኸ ዝተጣየሸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት እዚ ግፍዒ ደው ከብልን ንፈፀምቶም ድማ ተሓታቲ ክግበሩን ፀዊዖም፡፡

ወይኣንተ ብዙነህ