Home ዜና ስግኣት ኮሌራ ኣብ ትግራይ

ስግኣት ኮሌራ ኣብ ትግራይ

939
0

ትካላት ማይ ብፀላእቲ ብምዕናወንን ሕፅረት ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ስለ ዘሎን ህዝቢ ካብ ሕማም  ኮሌራ ክከላኸል ይግባእ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዘለዎ ሕፅረት ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ፤ሕማም ኮሌራ እንተጋጢሙ ግልጋሎት ሕክምና ከውህብ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘይብሉ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ኣፍሊጡⵆ

ኣስታት 55 ሚእታዊ ትካላት ማይ ብፀላእቲ ብምዕናወን፤ ሽፋን ፅሩይ መስተ ማይ #ትግራይ ክትሕትን ስግኣት ሕማም ኮሌራ ክውስኽን ኣገዲዱ እዩⵆ

ሕብረተሰብ ንእዋን ክረምቲ ስዒቡ ብስፍሓት ዝረአ ሕማም #ኮሌራ ካብ ምክልኻል ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ ከምዘይብሉ ተረዲኡ፤ መከላኸሊ ሜላታት እቲ ሕማም ብጥቡቕ  ከተግብር ከምዘለዎ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ  ኣፍሊጡⵆ

ካብ 2008 ክሳብ 2012 ዓ/ም ኣብ ዝነበረ እዋን ሓፈሻዊ ሆስፒታል #መቐለ ብሕማም ኮሌራ ዝመውት ሰብ ንከይህሉ ዓሊሙ ዓርሱ ዝኸኣለ ማእኸል መሐከሚ ኣዳልዩ ግልጋሎት ሕክምና ይህብ ምንባሩ ይዝከርⵆ

እቲ ሕማም ብባህሪኡ ብምንኽኻእ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ብምዃኑ ፍሉይ ከይዲ ሕክምንኡ ጥንቃቐ ዝጠልብ እዩ ይብል በዓል ሞያ ምእላይ ሓደጋ ሕብረተሰብ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ጀማል መሓመድⵆ

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ሕፅረት ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ፤ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ንሕማም ኮሌራ ክሕክም ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘይብሉ ኣይተ መሓመድ ይዛረቡⵆ

ቅድሚ ወራር ኣብ ዝነበሩ ተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመታት ልዕሊ 7 ሽሕ ወገናት በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ እንትኾኑ ካብዚኣቶም እቶም 100 ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሓበሬታ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ የመላኽትⵆ

ፀላእቲ ኣብ ትካላት ጥዕና ትግራይ ብዘብፀሕዎ መጥቃዕትን  ኣጠናኺሮም የቕፅልዎ ብዘለዉ ዕፅዋን ክባን  ስዒቡ ብዘጋጠመ ሕፅረት ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን፤ ንሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ሓዊሱ ኩለን ትካላት ጥዕና ትግራይ ነቲ ሕማም ዝሕክማሉ ዕድል ፀቢብ ምዃኑ ክኢላ ምእላይ ሓደጋ ሕብረተሰብ እቲ ቢሮ ኣይተ ወልደገሪማ ገብረመድህን ተዛሪቦምⵆ

እዚ ድማ በቲ ሕማም ዝፍጠር ሞት ንምክልኻል ኣፀጋሚ ኩነታት ዝፈጥር እዩ ኢሎምⵆ

ንእዋን ክረምቲ ስዒቡ ብስፍሓት ዝረአ ሕማም ኮሌራ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ ምስታይ ሓደ መንቀሊኡ ምዃኑ ሰብሞያ ጥዕና የመላኽቱⵆ ፀላእቲ ኣብ ትካላት ማይ ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ኣስታት 55 ሚእታዊ ትካላት ማይ ብፀላእቲ ብምዕናወን፤ ሽፋን ፅሩይ መስተ ማይ ትግራይ ኣዝዩ ክትሕት ክኢሉ እዩ ኢሎም ሓላፊ ቢሮ ሃፍቲ ማይ ትግራይ ኢንጂነር ቴድሮስ ገ/እግዚኣብሄርⵆ

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሕፅረት ፅሩይ መስተ ማይ ድማ ስግኣት ሕማም ኮሌራን ካልኦት ማይ ወለድ ሕማማትን ክውስኽ ካልእ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎⵆ

ክሳብ ሐዚ ብዘሎ መረዳእታ ሕማም ኮሌራ ኣብ ትግራይ ከምዘይተረኣየ ክኢላ ምእላይ ሓደጋ ሕብረተሰብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣይተ ወልደገሪማ ገብረመድህን ገሊፆምⵆ ይኹን እምበር 25 ወረዳታት ትግራይ ተቓላዕቲ ሕማም ኮሌራ ክኾና ከምዝኽእላ ብመፅናዕቲ ተነፂረን እየን ይብሉⵆ ሕብረተሰብ ንዘለዉ ተደራረብቲ ፀገማት ተረዲኡ መከላኸሊ ሜላታት እቲ ሕማም ብዝግባእ ብምትግባር ነቲ ሕማም ክከላኸል ምዒዶምⵆ

ሩዝ ዝመስል ፈሳሲ ምውፃእን ተምላስን ምልክታት ሕማም ኮሌራ ብምዃኖም ሕብረተሰብ ነዚ ምልክት እንትርኢ ሓሙሽተ ማንካ ሽኮርን ሓደ ማንካ ጨውን ኣብ ሓደ ሊትሮ ማይ ብምብፅባፅ ክሰትን ቀልጢፉ ናብ ትካል ጥዕና ክኸይድን ከምዘለዎ ኣይተ ወልደገሪማ የገንዝቡⵆ

ቅድሚ መግቢ ምድላውን ቆልዓ ምጥዋብን ፣ ድሕሪ ቆልዓ ምፅርራይን ሽቓቕ ምጥቃምን ከምኡ እውን ድሕሪ ምግቢ ምብላዕ ኢድ ብኣግባቡ ብማይን ሳሙናን ምሕፃብ፤ ዘይበሰለ ምግቢ ዘይምምጋብ፣ ዘይተሓከመ ወይ እውን ዘይፈለሐ ማይ ዘይምስታይ መከላኽሊ ሜላታት እቲ ሕማም እዮምⵆ

                               ብሳራ ኣብረሃለይ

Previous articleመደናገሪ መግለፂ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ
Next articleምእሳርን ምግፋፍን ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ