Home ዜና ምኽባር ስርዓት ንግዲ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ መቐለ

ምኽባር ስርዓት ንግዲ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ መቐለ

1286

ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ውድድር ንግዲ ስርዓት ንምትሓዝ ይስራሕ ከም ዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ስርዓት ንግዲ ተዛቢዑን ዘይሕጋዊ ናይ ጎደናታት ንግዲ ተበራኺቶሙን ፀነሖም እዮም።

እዚ ድማ ፍልፍል እቶት እታ ከተማ ካብ ምህሳይ ብተወሳኺ ከቢድ ፀገም ፀጥታን ሓደጋ ትራፊክን  ኮይኖም ምንባሮም ዘዘኻኸሩ መኣተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ስርዓት ክትትልን ቑፅፅርን ንግዲ እታ ክፍለ ከተማ ኣይተ ማዉጫ ገ/ትንሳኤን ኣተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ደንቢ ምኽባር ኣይተ መብራህተን ገ/ስላሴን ነዙይ ናብ ንቡር ንምምላስ ድማ ይስራሕ ከም ዘሎ ኣረዲኦም።

ብፍላይ ድማ ኣትክልትን ፍራምረን ካልኦትን ዘርጊሕኻ ኣብ ጎደናታት ዝግበር ዝነበረ ዘይሕጋዊ ንግዲ ብዝተወሰነ መልክዑ ስርዓት ክሕዝ ከም ዝተገበረ ኣይተ ማዉጫ ገሊፆም።

ድራር ዕለት ንምርካብ ኢሎም ኣብ ዘይተደለየ ቦታን ጎደናታትን ዝነግዱ ዝነበሩ ወገናት እዉን ተፀኒዖም ግዝያዊ ቦታ ከም ዝተዋሃቦም ሓቢሮም።

ስለ ዝኾነ ድማ ይብሉ ኣይተ ማዉጫን ኣይተ መብራህተንን ኣብ ጎደናታት ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንሕጋዉያን ነጋዶ ዝጎድእን ፀገም ፀጥታን ሓደጋ ትርፊክን ዝፈጥርን ስለ ዝኾነ ኩሉ ብዉነ ክሰርሓሉ ይግባእ ኢሎም።

ተጀሚሩ ዘሎ ምኽባር ደንብን ስርዓት ንግድን ሙሉእነት ንክህልዎ መንግስቲ ኣብ ምጥንኻር መሓዉርን ምምላእ ሓይሊ ሰብን  ትኹረት ክህበሉ ድማ እቶም መተሓባበርቲ ተላብዮም።

ህይወት ብረሃነ