Home ዓለምለኻዊ ዜና #ምኽባር _ወሳናይነት ህዝቢ

#ምኽባር _ወሳናይነት ህዝቢ

64

ገዛኢ ወድብ ደቡብ ኣፍሪካ ኤ ኤን ኣብ 7ይ ብሄራዊ መረፃ እታ ሃገር 40 ሚኢታዊ ድምፂ ብምሓዝ ልዑል ድምፂ እኳ እንተረኸበ፤ በይኑ መንግስቲ ክምስርት ከም ዘይኽእል ኮሚሽን መረፃ ደቡብ ኣፍሪካ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር፤ ህዝቢ ዝሃቦ ድምፂ ክኽበረሉን ድምፂ ዝረኸቡ ውድባትን ውልቀ ተናሓናሕቲን ንድሌት ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪካ ቀዳምነት ተማሕፂኑ፡፡

ዝተኻየደ መረፃ መርኣያ ዴሞክራሲያዊነት ሃገሮም ምዃኑን ብዘይካ ውሱናት ዕንቅፋታት ሰላማዊን ፍትሓዊን ኮይኑ ተዛዚሙ ዝበሉ ኮሚሽነር መረፃ እታ ሃገር፤ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝተጀመረ ከይዲ መረፃ ኣብ ናይ ሐዚ መረፃ ዴሞክራሲያዊ ንሕንሕን ዕምቆት ዴሞክራሲን ከምዝወሰኸ ገሊፆም።

ንሕድሕድ ውድብ ዝተውሃቡ ድምፂታት “ጥሙር ድምፂ ደቡብ ኣፍሪካዊያን” ክብሉ ገሊፀምዎም፡፡

ኣቦ መንበር ኤ ኤን ሲን ፕረዝዳንት ደቡብ ኣፍሪካን ሲርል ራማፎሳ፤ ደቡብ ኣፍሪካዊያን መራሕቶም ንምምራፅ ንዘርኣይዎ ተሳትፎ ብምምስጋን ውድቦም ዝረኸቦ ውፅኢት ድማ ብፀጋ ከም ዝቕበልዎ ኣፍሊጦም፡፡

ኤ ኤን ሲ ሓዊሱ ሓደ ዓብላላይ ውድብ ስለ ዘይተረኸበ፤ ውድባት ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስርታ ዝተገደዳሉ ኩነታት ምህላዉ ዝጠቐሱ ራማፎሳ፤ መንግስቲ ንምምስራት ጥምረት ዝፈጥርሉ ውድብ ንምሕራይ መፅናዕቲ ከም ዝጀመሩ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ 7ይ ብሄራዊ መረፃ ደቡብ ኣፍሪካ 58 መቐመጢ ረኺቡ ናይ ዘሎ ውድብ ኤም ኬን ነበር ፕረዝዳንትን ጃኮብ ዙማ፤ ምስ ኤ ኤን ሲ ልፍንታዊ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእሎም መሰረታዊ ሓሳብ ከም ዘለዎም ዝገለፁ እንትኾኑ፤ እዙይ ዝዕወት ግና ሲርል ራማፎሳ ካብ ፕረዝዳንትነት ዝወርዱ እንተኾይኖም ጥራሕ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡፡

39 ወንበር ብምርካብ ኣብ 4ይ ደረጃ ዘሎ ውድብ ኤ ኤፍ ኤፍ ብምውካል ርእይቶ ዝሃበ ጄሌስ ማሌማ ብግዲኡ፤ ምስ ገዛኢ ውድብ ኤ ኤን ሲ ብምዃን መንግስቲ ንምምስራት ኣወንታዊ መልሲ ዝሃበ እንትኾን፤ ፕረዝዳንት ሲርል ራማፎሳ ካብ ዝኽተልዎ ጨቋናይ ኣካይዳ እንተተዓቂቦም ጥራሕ ጉዳይ ልፍንታዊ መንግስቲ ከምዝቕበል ምግላፁ ፀብፃብ ብሮድካስት ደቡብ ኣፍሪካ የማላኽት፡፡

#ብገ/ሄር_ ሃይሉ