Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ምውጋድ መዐወኒ ዕፅ

ምውጋድ መዐወኒ ዕፅ

67

ልዕሊ 7.2 ሚሊየን ብር ዝግመት መዐወኒ ዕፅ ብበዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣ መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን ትግራይ ክቃፀል ተገይሩ።

ብምትሕብባር ፖሊስን ምምሕዳርን ክፍለተማ ዓይደርን ከምኡ እውን ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነን ዝተትሓዘ ሽሻ ፣ ዘይሕጋውን ድሕንነቱ ዘይተረጋገፀን ሽጋራን ካልኦት ኬሚካላትን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ከተማ መቐለ ክቃፀል ተገይሩ።

እቲ ልዕሊ 6 ሚሊየን ዝግመት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተወ ሽጋራ ከምዝኾነ ብምግላፅ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንምውዓል ኣካላት ፀጥታ ክፍለ ከተማ ዓይደር ዝገበርዎ ርብርብ ዝነኣድ እዩ ዝበሉ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣ መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን ትግራይ ኣይተ ጠዓመ ዓረደም መፃኢ ዕድል ወለዶ ትግራይ ዘበላሽው ዘለው መዐወኒታት ሙሉእ ብሙሉእ ንምጥፋእ ዝተዋደደ ስራሕ የድሊ ኢሎም።

እቲ ብልዕሊ 1.2 ሚሊየን ብር ዝግመት መዐወኒ ዕፅ ድማ ኣብ ክፍለ ከተማ ቀ/ወያነ ዝተትሓዘ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።

#ብህይወት_ሺበሺ